9 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 10 ለካቲት: ናይ ሰብነትካ መብራህቲ፥ ዓይንኻ እያ (ሉቃስ 11:34)
ዕለታዊ ብርሃን
ናይ ሰብነትካ መብራህቲ፥ ዓይንኻ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ኾይና፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።
ሉቃስ 11:34
እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 2:14
ኣዒንተይ ክፈተለይ፤ ካብ ሕግኻውን ተኣምራትካ ኽርኢ እየ።
ዳዊት 119:18
እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ እናበለ ተዛረቦም።
ዮሃንስ 8:12
ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።
2ይ ቆሮንቶስ 3:18
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:6
ነቲ ኣቦ ኽብሪ፥ ኣምላኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእኡ ብዝበለፀ ምእንቲ ኽትፈልጥዎ፥ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላፅን፥ ምእንቲ ኽህበኩም ... እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ንቕዱሳን ዘተስፈዎም ክቡር ርስቲ፥ ክንደየናይ ብዙሕ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽተስተውዕሉ፥ እፅሊ ኣለኹ።
ኤፌሶን 1:17–18
ንእግዚኣብሄርውን ከምዙይ ኢሎም ሓመይዎ፦ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል? እንሆ፥ ንኰዅሒ ወቕዐሞ ማይ ፈልፈለ።
ዳዊት 78:20
ኵላቶምውን ባሕሪ ኸም ዝተሳገሩ፥ ክትፈልጡ እደሊ እየ። ኵላቶም ድማ፥ ምስ ሙሴ ኽሓብሩ ብደመናን ብባሕርን ተጠመቑ። ኵላቶም ከዓ፥ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ። ኵላቶምውን፥ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኰዅሒ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ እቲ ኰዅሒ እቱይ ከዓ፥ ክርስቶስ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 10:1–4
ሓደ ኻብቶም ወታደራት ግና፥ ብዅናት ጐድኑ ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ።
ዮሃንስ 19:34
ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና።
ኢሳይያስ 53:5
ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመፁ ኣይትደልዩን ኢኹም።
ዮሃንስ 5:40
ህዝበይ ክልተ ኽፉኣት ነገራት ገይሮም እዮምሞ፤ ፈልፋሊ ማይ ህይወት ንዝኾንኩ ንኣይ ሓደጉኒ፤ ንርእሶም ከዓ ማይ ዘየዕቍር፥ ነቓዕ ሓፅብታት ኲዒቶም እዮም፤ ኣቱም ሰማያት፥ በዙይ ተገረሙ፤ ደንግፁ፤ የመናውን ራዕራዕ በሉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኤርሚያስ 2:13
ኣሕዋቱ ድማ “ደቀ መዛሙርትኻ ነዝ እትገብሮ ምእንቲ ኽሪኡስ ካብዙይ ወፂእኻ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ።
ዮሃንስ 7:3
ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
ራእይ 22:17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ8 ለካ 2026
ዮሃንስ 15:15 · ዘፍጥረት 18:17
7 ለካ 2026
ዘዳግም 8:10–11 · ሉቃስ 17:15–18
6 ለካ 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 1:14 · 2ይ ቆሮንቶስ 8:9
5 ለካ 2026
ዮሃንስ 10:10 · ዘፍጥረት 2:17
4 ለካ 2026
ዘዳግም 17:16 · ዕብራውያን 11:15–16
3 ለካ 2026
ሓጌ 2:4 · ዮሃንስ 15:5






