8 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 9 ለካቲት: መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን (ኢሳይያስ 60:20)
ዕለታዊ ብርሃን
ሕዚ ንሱ ኣብዙይ ይሕጐስ ኣሎ።
ሉቃስ 16:25
መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄርውን ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፥ ክኸውን እየ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን።
ኢሳይያስ 60:20
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ኢሳይያስ 25:8
ንሱ ኸዓ፥ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም። ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እግዚኣብሄር እኒሀዉ፤ ኣብታ መቕደሱውን፥ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸዓ፥ ድንኳኑ ተኺሉ ኸፅልለሎም እዩ። ድሕሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይፀምኡን፤ ፀሓይ ኮነ ሃሩር ድማ፥ ከቶ ኣይረኽቦምን እዩ። እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን።
ራእይ 7:14–17
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
ራእይ 21:4
ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።
ዮሃንስ 9:4
ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ... ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።
ራእይ 14:13
ኣብኡስ እቶም ክፉኣት እኳ ቝጥዓኦም ሓዲጎም፤ እቶም ዝደኸሙውን ኣዕሪፎም ኣለዉ።
ኢዮብ 3:17
ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ስለ ምንታይ ኢኻ ዘተሳእኻኒ?
1ይ ሳሙኤል 28:15
ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።
መክብብ 9:10
ኦ ጐይታ፥ ምዉታት ዘመስግኑኻ ኣይኮኑን፤ ኵላቶም ናብ ሲኦል ዝወርዱውን ከምኡ።
ዳዊት 115:17
ኣነስ ድሮ ሰማዕት ክኸውን ቐሪበ ኣለኹ፤ መዓልቲ ሕልፈተይ በፂሓ እያ። ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፤ ነቲ ጕያ ፈፂመ፤ ነታ እምነትውን ሓልየ እየ። ደጊም እቲ ቕኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ፥ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ። እዙይውን ንበይነይ ኣይኮነን።
2ይ ጢሞቴዎስ 4:6–8
እምበኣር ንህዝቢ እግዚኣብሄር ዕረፍቲ ተዳሊያትሎም ኣላ። እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ።
ዕብራውያን 4:9–10
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ7 ለካ 2026
ዘዳግም 8:10–11 · ሉቃስ 17:15–18
6 ለካ 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 1:14 · 2ይ ቆሮንቶስ 8:9
5 ለካ 2026
ዮሃንስ 10:10 · ዘፍጥረት 2:17
4 ለካ 2026
ዘዳግም 17:16 · ዕብራውያን 11:15–16
3 ለካ 2026
ሓጌ 2:4 · ዮሃንስ 15:5
2 ለካ 2026
1ይ ዜና 4:10 · ሉቃስ 22:46






