ኣብ ክርስቶስ የሱስ ምህላውካ ዘደንቕ ሓቂ ተረዲኡካዶ ይፈልጥ እዩ? ከመይሲ “ስለዚ ሕጂ ነቶም ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።” ስለምንታይ? ዚዂነን ዝተረፈ የልቦን እሞ። “እምበኣርከስ” ትብል ትኸውን “እዚ ደፋር መግለጺ እዩ።” ኣይክሕዶን እየ፣ ከመይሲ በረኸቱን ሓጐሱን እፈልጥ እየ! ክትዂነኖ ዝተረፈ የልቦን—ኣብ ክርስቶስ የሱስ እንተ ኣሎኻ።
ሓቂ ወንጌል እዚ እዩ፡ ጐይታ የሱስ ኣብ መስቀል ከሎ፡ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይጸረን፡ የግዳስ ብኣምላኽ ሓጢኣት ኰይኑ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሰብ ዝነበሮ ዂሉ ተለልዩ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ ሰብ ተሰኪሙ። ታሪኽ እቲ ቀዳማይ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ንእምነትን ብሞት እቲ ካልኣይ ሰብ ተወዲኡ። ዂሉ ኣብ መስቀል ተዂኒኑ፡ ሕጂ ድማ ዚዂነን ዝተረፈ የልቦን፡ ዚዂነን ዝተረፈ የልቦን። ኣምላኽ ንሓጢኣት ቀሊል ኣይገበሮን። ክርስቶስ ሓጢኣትና ጾይሩ ኣርሒቕዎ፡ ግናኸ ካብኡ ንላዕሊ፡ ሓጢኣት ኰይኑ፡ ናብ ዓሚቝ ፍርዲ ሓጢኣት ወሪዱ፡ ካብኡ ድማ ተንሲኡ። ንሱ ህይወተይ ኰይኑ፡ ኣነ ድማ ኣብኡ እየ፡ ስለዚ ድማ ንእኡ ዂነኔ ኣብ ዘይከኣል ዂነታት እየ። ሓጢኣት ኣብ ስጋ ኣይተሰረየን። ኣምላኽ ዂኒንዎ። ኣምላኽ ንሓጢኣት ፈጺሙ ኣይሰርዮን። ንሓጥኣን ይቕርየሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ብደም ክርስቶስ ይድምስሶም፡ ግናኸ እቲ እኩይ መትከል ሓጢኣት—ሓጢኣት ኣብ ስጋ—ብፍርዲ ጥራይ እዩ ዚውዳእ።
እንተ ደኣ ኣማኒ ዄንካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ኢኻ ዘሎኻ፡ ስለዚ ድማ ዂነኔ የልቦን፡ ከመይሲ ቦታኻ ኣብቲ ካብ ፍርዲ ዝወጸን ዝሓደገን፡ ንሓጢኣትካን ንዓኻን ዚምልከት ዂሉ እዩ። ንሱኸ ነቶም ዝሞተሎም፡ ነቶም ዝተሰቀየሎም፡ ነቶም ንሱ ባዕሉ ዝተዂነነሎም ኪዂንንዶ እዩ? ፈጺሙ! ስሙ ዝተባረኸ ይኹን! ሃሌሉያ ኽንብል ንኽእል ኢና!



