6 ብትዕቢት ተነፊሑ፥ ከም ዲያብሎስ፥ ኣብ ፍርዲ ምእንቲ ኸይወድቕ፥ ሓድሽ ኣማኒ ኣይኹን።
4 እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።
12 “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮ፦ ንስኻ ጥበብ ዝመልአካ፥ ፍፁም ዝመልክዕኻ፥ ብሉፅ ማሕተም ነበርካ። 13 ንስኻ ኣብ ኤደን፥ ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፤ በብዝዓይነቱ ዅሉ ኽቡር እምኒ ሰርድዮስ፥ ቶጳዝዮን፥ ኣልማዝ፥ ቢረሌ፥ መረግድ፥ ኢያሰጲድ፥ ሰንፔር፥ በሉር፥ ዘብረቕርቕ ዕንቍን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፤ እቲ ኸበሮኻን እምብልታኻን ምሳኻ ነበረ፤ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። 14 ንስኻ ዘፅልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፤ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ እምባ እግዚኣብሄር ኣስፈርኩኻ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። 15 ካብታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ፥ ክሳዕ እቲ በደል እተረኽበካ ጊዜ፥ ብመንገድካ ፍፁም ነበርካ። 16 ብብዝሒ ንግድኻ ውሽጥኻ ብዓመፃ መልአ እሞ፥ ሓጢኣት ገበርካ፤ ስለዙይ ኣታ እተፅልል ኪሩብ፥ ካብቲ እምባ ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርበኹኻ፤ ካብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸዓ ኣጥፋእኩኻ። 17 ብምኽንያት መልክዕኻ ልብኻ ተዓበየ፤ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሸኻ፤ ኣብ ምድሪ ፃሕ ኣበልኩኻ፤ ንኽሪኡኻ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፈኹኻ። 18 ብብዝሒ በደልካን፥ ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ንግድኻን፥ ንመቕደስካ ኣርከስካዮ፤ ስለዙይ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውፃእኹ፤ ንሳውን በልዐትካ፤ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዝሪኡኻ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ። 19 እቶም ዝፈልጡኻ ዅሎም ኣህዛብ፥ ብኣኻ ኽስክሑ እዮም፤ መሰክሒ ኾንካ፤ ድሕሪዙይ ከዓ ኸቶ ኣይትህሉን ኢኻ።”
1ይ ጢሞቴዎስ 3:6 · 2ይ ጴጥሮስ 2:4 · ሕዝቅኤል 28:12–19 · ትመ15
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኩሉ ሳዕ ዓብዪ ኣምላኽና ንትዕቢት ከምዝጸልኣን ብኸቢድ ከምዝቐጽዓን የርእየና። ገለ ካብዚኣቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:6 ትዕቢት ከም ፍርዲ ዲያብሎስ ተጠቒሱ ኣሎ። ኢሳይያስ 14:12–17ን ህዝቅኤል 28:12–19ን፣ ንንጉስ ጢሮስ ዝተዋህቡ እኳ እንተኾኑ፣ ብሓቂ ግና ሉሲፈር—እቲ ዝለዓለ ፍጥረት ኣምላኽ—ብትዕቢት ገይሩ ሰይጣን፣ ጸላኢ ኣምላኽ፣ ከመይ ከምዝኾነ የርእዩና። ጽቡቕ፣ ጥበበኛ፣ ሓያል፣ ፍሉይ መሰል ዝነበሮ፣ ብገዛእ ርእሱ ዝተኣማመነ፣ ንኣምላኽ ዓለወ፣ ከምቲ ኣብ “ክገብር እየ” ዝብል ቃላቱ እንርእዮ። ኣምላኽ ድማ ፍርዲ ኣብኡ ይነግር፣ እቲ ፍርዲ ድማ ራእይ ዮሃንስ 20:10 ከምዝርእየና ገና ክፍጸም እዩ። እቲ ሓይመምን ሓውን ዝመልኦ ቀላይ፣ ጐይታ የሱስ ከምዝነግረና፣ ንዲያብሎስን መላእኽቱን ተፈጢሩ እዩ (ማቴ. 25:41)።
ኣብ ዘፍጥረት 11፣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝበሎም ክበዝሑን ንምድሪ ክመልኡን ክእዘዙ ዘይኮነስ፣ እቶም ሰባት ከተማን ግምብን ክሰርሑ ወሰኑ፣ እቲ ርእሱ ድማ ናብ ሰማይ ክበጽሕ። ንገዛእ ርእሶም ስም ክገብሩ ደለዩ፣ ምናልባት ከይብተኑ። ኣምላኽ ድማ ዝገብርዎ ዘለዉ ረኣየ እሞ ንቛንቋኦም ኣደናገረ፣ ምትሕብባሮም ኣበላሸወ እሞ ኣብ ልዕሊ ምድሪ በታተኖም።
ኣምላኽ ነብዪ ኦባድያ ንትዕቢተኛታትን ጨካናትን ጸላእቲ እስራኤል ኤዶማውያን፣ ወለዶታት ኤሳው፣ ፍርዱ ከምዝነግር ገበረ፦ “ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ … መሕደሪኡ ልዑል ዝኾነ፤ ኣብ ልብኻ ‘መን እዩ ናብ ምድሪ ዘውርደኒ?’ እትብል ንስኻ። ከም ንስሪ ልዕል እንተበልካ እውን፣ ኣብ መንጎ ከዋኽብቲ መሕደሪኻ እንተገበርካ እውን፣ ካብኡ ከውርደካ እየ” (ኦባ. 1:3–4)። ሰላ፣ እታ ኤዶም ካብ ድልዱል ከውሒ ንገዛእ ርእሳ ዝቐረጸታ ዘይትበጽሕ ከተማ፣ ንዘመናት ተሓቢኣ ነበረት። ሕጂ ጴጥራ ተባሂላ፣ ናይ ቱሪስት መሳሕቢ እያ።