19 እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና።
24 በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ።
1 ብክርስቶስ ሓቂ ኸም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ፥ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ። 2 ብዙሕ ጓህን፥ ዘየቋርፅ ጭንቅን፥ ኣብ ልበይ ኣሎ። 3 ኣነ ንባዕለይ፥ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ዝኾኑ፥ ርጉም ኮይነ፥ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ። 4 ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፤ ውሉድነትን፥ ክብርን፥ ኪዳንን፥ ምሕጋግ ሕግን፥ ንኣምላኽ ምግልጋልን፥ ተስፋን፥ ናታቶም እዩ። 5 ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወለዱ እዮም፤ ክርስቶስውን ብስጋ ኻብኣቶም እዩ ዝተወለደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ። ኣሜን!
6 ግና እቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ በዙይ ከንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፤ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም፥ እስራኤላውያን ኣይኮኑንሞ።
7 ከምኡውን ኵላቶም እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወለዱ፥ ደቂ ኣብርሃም እዮም ማለት ኣይኮነን። እንተ ኾነ “ካብ ይስሓቅ ዘርኢ ኽስመየልካ እዩ” ኢልዎ ነበረ። 8 እዙይ ማለት ከዓ፥ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወለዱ እዮም፥ ደቁ ዝኾኑ እምበር፥ እቶም ብስጋ ዝተወለዱስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ኣይኮኑን። 9 እቲ ቓል ተስፋ “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽመፅእ እየ፤ ሳራ ኸዓ ወዲ ኽትወልድ እያ” ዝብል ነበረሞ። 10 እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ርብቃውን ካብ ሓደ ኣቦና ይስሓቅ ምስ ጠነሰት፥ 11 ካብ ሕርየት እምበር፥ ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፥ እቲ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመስረተ ምእንቲ ኽገሃድ፥ እቶም ህፃናት ገና እንተይተወለዱ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ እንተይገበሩ፥ 12 ንርብቃ “እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ክግዛእ እዩ” ዝብል ተነገራ። 13 እዙይ ከዓ “እቲ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፤ ንኤሳው ግና ፀላእኹ” ዝብል ፅሑፍ ስለ ዘሎ እዩ።
14 እሞኸ እንታይ ክንብል ኢና?
ኣብ እግዚኣብሄርዶ ዓመፅ ኣሎ እዩ? የለን!
15 እግዚኣብሄር ንሙሴ፦
“ንዝምሕሮ ኽምሕሮ እየ፤
ንዝርህርሀሉ ኽርህርሀሉ እየ”
ኢልዎ እዩ። 16 ስለዙይ ምሕረት፥ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ንዝደለየን ንዝጐየየን ኣይኮነን። 17 ንፈርዖን “ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፥ ስመይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር እየ ዘተሳእኹኻ” ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ። 18 እምበኣር፥ ንዝደለዮ ይምሕሮ፤ ንዝደለዮ ድማ የሀልኾ እዩ።
19 እምበኣር “ስለ ምንታይ ክሳዕ ሕዚ ዝነቅፍ? ንፍቓዱኸ ዝቃወም መን እዩ?” ትብል ትኸውን። 20 ኣታ ሰብ፥ ንእግዚኣብሄር እትከራኸሮ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ስራሕ፥ ንሰራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሰራሕኻኒ፥ ክብሎዶ ይኽእል እዩ? 21 ወይ እቲ ሰራሒ መሬት፥ ካብ ሓደ ፀብሪ፥ ገሊኡ ንኽብሪ፥ ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሰርሕ፥ ኣብቲ ፀብሪ ስልጣንዶ የብሉን እዩ? 22 ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ። 23 ከምኡውን ዕብየት ጐይትነቱ ኸርኢ እንተ ደለየ፥ ኣቐዲሙ ንኽብሪ ንዘዳለዎም ናይ ምሕረት መልእኽተኛታት የምፅእ።
24 እዚኣቶምውን፥ ንሕና እቶም ካብ ኣይሁድ ኮነ ኻብ ኣህዛብ፥ ዝተፀዋዕና ሰባት ኢና። 25 ኣብ ነቢይ ሆሴዕውን፦
“ነቲ ህዝበይ ዘይኮነ
‘ህዝበይ’ ክብሎ እየ፤
ነታ ዘይፍቕርተይውን፥
‘ፍቕርተይ’ ክብላ እየ” ይብል እዩ።
26 ኣብታ “ህዝበይ ኣይኮንኩምን” ተብሂሎም ዝተፀውዑላ ስፍራ፥ “ደቂ ህያው እግዚኣብሄር” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም ይብል።
27 ኢሳይያስውን ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፦
“ቍፅሪ ደቂ እስራኤል፥
ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝሐ፥
እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድሕን።
28 እግዚኣብሄር ንፍርዱ፥
ኣብ ምድሪ ብርግፅን ብቕልጡፍን
ክፍፅሞ እዩ እሞ።”
29 ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ
“እግዚኣብሄር ፀባዖት፥
ዘርኢ እንተ ዘይሓድገልናስ፥
ከም ሰዶም ምኾንና፤
ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና” ዝበሎ እዩ።
30 ደጊምከ እንታይ ንበል? እቶም ፅድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ፥ ንፅድቂ ረኸብዋ፤ እዙይ ከዓ ብእምነት ዝርከብ ፅድቂ እዩ። 31 እስራኤል ግና፥ ነቲ ናብ ፅድቂ ዘብፅሕ ሕጊ እናተኸተሉስ፥ ንሕጊ ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነቲ ፅድቂ ኣይረኸብዎን። 32 ስለ ምንታይ ነቲ ፅድቂ ዘይረኽብዎ? ፅድቆም ብስራሕ እምበር፥ ብእምነት ስለ ዘይኮነ እዩ። ኣብቲ እምኒ መዐንቀፊ ድማ ተዓንቀፉ። 33 እዙይ ከዓ መፅሓፍ፦
“እንሆ ኣብ ፅዮን መዐንቀፊ እምንን፥
ዘንደልህፅ ኰዅሕን ኣንብር ኣለኹ፤
ብእኡ ዝኣምን ከዓ፥ ኣይሓፍርን እዩ” ኸም ዝበሎ እዩ።
1 ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ድልየት ልበይን፥ ናብ እግዚኣብሄርውን ዘቕርቦ ፀሎትን፥ እስራኤል ምእንቲ ኽድሕኑ እዩ። 2 ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመስረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንእግዚኣብሄር ከም ዝቐንኡስ፥ ኣነ እምስክረሎም እየ። 3 ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ፅድቂ ሰኣን ምፍላጦም፥ ፅድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም፥ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣየግዝኡን። 4 ዝኣምን ኵሉ ምእንቲ ኽፀድቕ፥ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍፃሜ እዩ።
5 ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍፃም ዝመፅእ ፅድቂ፥ “እቲ ንሕጊ ዝፍፅሞ ሰብ፥ ብእኡ ብህይወት ይነብር” ኢሉ ፅሒፉ እዩ እሞ። 6 እቲ ኻብ እምነት ዝመፅእ ፅድቂ ግና ኸምዙይ ይብል፦ “ብልብኻ፥ [ንክርስቶስ ከውርዶ] ‘ናብ ሰማይ ዝድይብ መን እዩ?’ ኣይትበል። 7 ወይ [ንክርስቶስ ካብ ሞት ከተስኦ] ‘ናብ ሲኦል ዝወርድ መን እዩ?’ ኣይትበል።” 8 እንታይ ደኣ ይብል? “እቲ ቓል” ንሱውን እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት፥ “ኣብ ጥቓኻ፥ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ” ይብል። 9 ስለዙይ ብኣፍካ፥ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፥ ብልብኻውን፥ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከም ዘተስኦ እንተ ኣሚንካ፥ ትድሕን። 10 ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ። 11 እቲ ፅሑፍውን “ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ኣይሓፍርን እዩ” ይብል። 12 ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን፥ ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ። 13 “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ እሞ።”
14 ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ፥ ከመይ ኢሎም ክፅውዕዎ እዮም? ብዛዕባኡ እንተይሰምዑኸ፥ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም? 15 ከምቲ መፅሓፍ፥ “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜና ዘብስሩ፥ ከመይ ፅቡቓት እየን” ዝበሎ፥ እንተ ዘይተልኣኹኸ፥ ከመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?
16 ግና ኸምቲ ኢሳይያስ “ጐይታይ፥ ንምስክርነትና መን ኣመኖ?” ዝበሎ፥ ኵላቶም ንቓል ወንጌል ኣይተኣዘዙን። 17 እምበኣር፥ ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ምስማዕውን፥ ብቓል እግዚኣብሄር እዩ።
18 እምበኣርከስ፥ ኣይሰምዑንዶ እብል ኣለኹ?
እወ “ድምፆም ናብ ኵሉ ምድሪ ወፀ፤
ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በፅሐ”
ኸም ዝበሎ፥ ብርግፅ ሰሚዖም ኣለዉ። 19 እሞ እስራኤላውያንከ፥ ኣይፈለጡን ድየ ዝብል? ሙሴስ ኣቐዲሙ፦
“ህዝቢ ብዘይኮነ፥ ከቕንኦም እየ፤
ምስትውዓል ብዘይብሉ ህዝቢ እውን፥ ከቈጥዖም እየ” ይብል።
20 ኢሳይያስውን ደፊሩ፥
“ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፤
ንዘይጠየቑኒውን ተገለፅኩሎም” ይብል።
21 ብዛዕባ እስራኤል ግና “ነቲ ዘይእዘዝን ተቓዋምን ህዝቢ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኹ” ይብል።
1 እምበኣር እግዚኣብሄር ንህዝቡ ገዲፍዎም እዩዶ ኽብል? ኣይፋሉን፤ ኣነ እኳ ንባዕለይ እስራኤላዊ፥ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፥ ካብ ነገድ ብንያም እየ። 2 እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓረዮ ህዝቡ ኣይገደፎን። ብዛዕባ ኤልያስ እተፅሓፈ፥ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶምዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
3 “ጐይታይ ንነቢያትካ ቐተልዎም፤
መሰውኢታትካውን ኣፍረሱ፤
ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፤
ንነፍሰይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ” በለ።
4 እግዚኣብሄር ግና “ነቲ በዓል ዝበሃል ጣዖት ዘይሰገዱ፥ ንባዕለይ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። 5 ከምኡ ኸዓ፥ በዝ ዘመንዙይ፥ ብፀጋ ተሓርዮም ዝተረፉ ኣለዉ።
6 እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን። 7-8 እምበኣር እንታይ ደኣ እዩ? እስራኤላውያን ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ ኣይረኸብዎን፤ እቶም ሕሩያት ግና ረኸብዎ፤ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኸምቲ ፅሑፍ፦
“ኣዒንቶም ከይሪኣ፥
ኣእዛኖምውን ከይሰምዓ፥
እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥
ድንዙዝ መንፈስ ሃቦም።”
9 ዳዊት ከዓ፦
“ማእዶም መፃወድያን መድፈንን፥
መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም፤
10 ምእንቲ ኸይሪኡ ኣዒንቶም ይፀልምታ፤
ሕቘኦም ከዓ ንሓዋሩ ይጕበጥ” ይብል።
11 እምበኣርከ፥ እስራኤላውያን ኣብኡ ወዲቖም ምእንቲ ኽተርፉ ድዮም ዝተዓንቀፉ? ኣይፋሎምን፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ንኣኣቶም ከቕንኦም፥ ብበደሎም፥ ንኣህዛብ ምድሓን ኮነሎም። 12 በደሎም ንዓለም በረኸት ካብ ኮነ፥ ውድቀቶምውን ንኣህዛብ በረኸት ካብ ኮነ፥ ምልኣቶም ደኣ፥ ክንደይ ዝበለፀ ይኾን!
13-14 ምናልባሽ ነቶም ዓሌተይ ዝኾኑ እንተ ኣቕናእኽዎም፥ ካብኣቶምውን ንገሊኣቶም እንተ ኣድሓንኩስ፥ ንኣኻትኩም ንኣህዛብ እብለኩም ኣለኹ። ኣነ ንኣህዛብ ሃዋርያ ኸም ምዃነይ፥ ብኣገልግሎተይ እሕበን እየ። 15 እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
16 እቲ ኸም በዅራት ዝቐረበ ብሒቝ፥ ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቲ ዝተረፈ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ሱር ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸዓ፥ እቲ ጨናፍርውን ቅዱስ እዩ። 17 ካብቶም ጨናፍር ገሊኣቶም እንተ ተሰብሩ እሞ፥ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ፥ ኣብ ስፍራኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ፥ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ፥ 18 ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ። እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ፆይሩካ ዘሎ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን፥ ነቲ ሱር ፆይርካዮ ዘለኻ፥
19 ምናልባሽ ንስኻ “ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም፥ እቶም ጨናፍር ዝተሰብሩ” ትብል ትኸውን። 20 ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ። 21 እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ፥ ካብ ዘየናሕሰየሎም፥ ንኣኻውን ኣየናሕስየልካን እዩ። 22 እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ። 23 ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይፀንዑ ግና፥ ክትከሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሊሱ ኽተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ። 24 ንስኻ ኻብቲ ብፍጥረቱ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቘረፅካ፥ ኣብዘይ ፍጥረትካ፥ ኣብ ሰናይ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ፥ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ፥ ክንደይ ኣብቲ ናይ ባዕልቶም ኣውሊዕ ዘይትከሉ!
25 ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ። 26-27 ከምቲ መፅሓፍ
“መድሓኒ ኻብ ፅዮን ክመፅእ እዩ፤
ካብ ዘርኢ ያእቆብ ሓጢኣት ከርሕቕ እዩ፤
ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸዓ፥
እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ” ዝብሎ፥
እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም።
28 ብወገን ወንጌል፥ ምእንታኻትኩም ፀላእቲ እዮም፤ ብወገን ምሕራይ ግና፥ ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም፤ 29 እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ። 30 ንስኻትኩም ቀደም ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝኩምዎን፤ ሕዚ ግና፥ ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተምሓርኩም። 31 ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተምሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኽምሓሩ፥ ሕዚ ኣይተኣዘዙን። 32 እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ።
33 ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን። 34 ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ? 35 ንእግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ዝሃቦ እሞ፥ ዝፍደዮ መን እዩ? 36 ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!
ሮሜ 3:19 · ሮሜ 3:24 · ሮሜ 9–11 · ትመ15
ሮሜ፡ ማለት “ሓያላት”፡ ኣብ መሰረት ክርስትና ዝቖመ ሓቂ ይህብ። ኣብዚ ኣምላኽ ልዑላዊ ዳኛ እዩ፡ ብጽድቂ ፍጹም፡ ንሓጢኣት ኩሉ ሰብ ዝገልጽን ዘቃልዕን። ንዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣይፈቅድን፡ ንዝኾነ ይኹን ክፋእ ኣይሓድግን። ኩሎም “ቅድሚ ኣምላኽ ገበነኛታት” ከም ዝኾኑ ይርአዩ (3፡19)። ግናኸ ብንጹህ ጽድቂ’ውን ካብ ገበን ምሉእ ምጽዳቕ ይህብ፡ ምኽንያቱ እዚ ኣብ “እቲ ብክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን” (ቁ. 24) ዝተመርኮሰ እዩ፡ ንሱ ድማ ብመስዋእቲ ርእሱ ንመቕጻዕቲ ሓጢኣት ዝጸረ ዓቢ ተካኢ ኮይኑ ይርአ። ኩሉ ብእኡ ዝኣምን ሓቀኛ ምእመን ብእኡ ካብ ኩሉ ክሲ ይነጽህን ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ይኸውንን። ትርጉም መስቀል’ውን፡ ካብ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሓጢኣት ምድሓን ብምጥቃስ ይርአ። እቲ ሓቂ፡ ንሓጥእ ኣብ መጀመርታ ከም ዘሎ ኮይኑ ንምርካብ፡ ብመንፈሳዊ ልምምድ ድማ ካብ ባርነትን ጸልማትን ናብ ሓርነትን ብርሃንን ንምምራሕ ተቕርብ። ኣእጋር ኣብ መገዲ ጽድቂ ይቕንዑ።
ኣብ ምዕራፋት 9 ክሳዕ 11፡ ምኽርታትን መገዲ ኣምላኽን ብዛዕባ እስራኤል ምስዞም ሕጂ ኣብ ክርስትና ዝተገልጹ ሓቅታት ዝሰማምዑ ምዃኖም ይርአ። ኣምላኽ ዓቢ ዓዋታይ እዩ። ስለዚ ኩሎም ዝእምኑሉ ይባረኹ።
ካብ ምዕራፍ 12 ንላዕሊ፡ ኣብ ጽኑዕን ዘለኣለማዊ መሰረት ጸጋ ኣምላኽ ዝተመርኮሰ ተግባራዊ ምግባር ዝምልከት መምርሒታት ተዋሂቡ ኣሎ። ንነፍሲ ንምጽናዕን ንምቕናዕን፡ ከምኡ’ውን ንኹሉ እግዚኣብሔራዊ በጎነት ንምብራታት እንታይ ዝበለ ዓቢ መጽሓፍ።