እዚ ኒቆዲሞስ ፈሪሳዊ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዝረአየሉ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን እዋን እዩ። ንመጀመርታ ግዜ ንጐይታ ምሸት በጺሑዎ ነበረ እሞ ናይ መንፈሳዊ ሓጃኡ ተነቕነቐ (3:2)። ድሕሪኡ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ግዜ፡ ኣብ ቅድሚ ፈሪሳውያን መዛኑኡ ንክርስቶስ መስከረ (7:50)።
ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ ንኒቆዲሞስ ኣብ መስቀል ክርስቶስ ንረኽቦ። ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምስ ተኣስረ ሃዲሞም ከለዉ—ሓደ እኳ ከኣ ከሓዲዎ ከሎ—ንኒቆዲሞስ ኣብኡ፡ ኣብ ጐድኒ ክርስቶስ ምምጻኡ ምሕሳብ ዘንቀጥቅጥ እዩ። ንሱ ምናልባት ነቲ ጐይታ ብዛዕባ ተመን ኣብ በረኻ ዝበሎ ቓላት፡ ከምኡ’ውን ወዲ ሰብ ከም ዝልዓል ዘኪሩ ክኸውን ኣለዎ። ከምቶም ኣቦታቱ ኣብ በረኻ፡ ኒቆዲሞስ ርእዩ “ህይወት” ረኺቡ (ዘሁ. 21:9)።
ኒቆዲሞስን መሓዛኡ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝኾነ ዮሴፍ ኣፍ ኣርማትያስን፡ ከምቶም መዛኑኦም ንሞት ክርስቶስ ድምጺ ኣይሃቡን (ሉቃ. 23:51)። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ነበሩ፡ ግናኸ “ብምስጢር፡ ንፍርሃት ኣይሁድ” (ዮሃ. 19:38)። እቲ ናይ ክርስቶስ ዓሚቕ ስቓይ ከም ሓጥያት ጾር ኣብ ፍርቂ መዓልቲ፡ “ሳድሰይቲ ሰዓት” (ማቴ. 27:45) ጀመረ። ይኹን እምበር፡ ጸልማት ንምድሪ ምስ ከደ እኳ፡ ኒቆዲሞስ ብፍጹም ብርሃን ነበረ። ዮሴፍ ንጲላጦስ ብትብዓት ንስጋ ጐይታ ሓተቶ፡ ክልቲኦም ከኣ ስጋኡ ብፍቕሪ ብመሰረት ልምዲ ኣይሁድ ኣዳለዉ። ኣብ ጉዕዞ ኒቆዲሞስ ናብ ብርሃን ሰለስተ ደረጃታት ክንርኢ ንኽእል ኢና ተባሂሉ ይንገር፡ ለይቲ ኒቆዲሞስ (ዮሃ. 3)፡ ንግሆ ኒቆዲሞስ (ዮሃ. 7)፡ ከምኡ’ውን ፍርቂ መዓልቲ ኒቆዲሞስ (ዮሃ. 19)። ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ድሕሪኡ ኣይንሰምዕን ኢና። ከም ኣባል ሳንሄድሪን፡ ንሱ ብዕድመ ኣረጊት ነበረ፡ ቀልጢፉ’ውን ካብዛ ዓለም ክሓልፍ ነበረ። ነቲ ንየሱስ “ብለይቲ” ዝመጸ፡ ሕጂ ኣብ ብርሃን ሰማይ ዘሎ፡ ከመይ ዝበለ ግሩም መወዳእታ!


