ኣብቲ ብሉይ ፍጥረት: ሰብ ናይ ሞት እዩ። ስለዚ: ሰብ ክነብር ዝጅምረሉ ጊዜ ሞት ዝጅምረሉ ጊዜ እዩ ተባሂሉ ብሓቂ ተነጊሩ ኣሎ። ከቢድ ሓቂ! ሰብ ካብ ሞት ክሃድም ኣይክእልን። ኣብቲ ብሉይ ፍጥረት ሰብ ዝውንኖ ሓንቲ እኳ ነገር የልቦን: እዚ ድማ ብዘይርሕራሔ ኢድ ሞት ካብ ኢዱ ዘይውሰድ። ሞት ኵሉ ካብኡ ይወስድ: ስግኡ ናብ ሓመድ ይቕይሮ: ነፍሱ ድማ ናብ ፍርዲ ይልእካ። ኣባይቲ: መሬት: ሃብቲ: ክብሪ: ስም: ጽልዋ: ኵሉ እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ ምስ ቀረበ ይኸይድ። ሃብቲ ዩኒቨርስ: ኣብ ኢድ ሰብ እንተ ዝኸውን: ሓንቲ እኳ ደቒቕ ዕረፍቲ ክዕድግ ኣይከኣለን። ሞት ንሰብ ካብ ኵሉ ይቐንጥሎን ናብ ፍርዲ ይወስዶን። ንጉስን ለማንን: መኳንንትን ገባርን: ምሁር ፈላስፋን ዘይፈልጥ ዓሻን ኵሎም ማዕረ እዮም። ሞት ኣብ ውሽጢ ገደባት ናይቲ ብሉይ ፍጥረት ንዅሉ ይሕዝ።
ግናኸ ኣብቲ ሓድሽ ፍጥረት: ሞት ናይ ሰብ እዩ። ክርስትያን ዝውንኖ ሓንቲ እኳ ነገር የልቦን: እዚ ድማ ንሞት ዘይውዕሎ። ህይወት: ይቕረታ: ጽድቂ: ሰላም: ምቕባል: ክብሪ: ኵሉ ብሞት: ብሞት ክርስቶስ ኣቢሉ ኣለዎ። ምሉእ ገጽ ሞት ተለዊጡ። ሰይጣን ድሕሪ ሕጂ ከም ፍርዲ ኣምላኽ ንሓጢኣት ኣብ ነፍሲ እቲ ምእመን ከምጽኦ ኣይክእልን።
ግናኸ: እቲ ስልጣን ሞት ዝነበሮ ሰይጣን ተደምሲሱ እዩ። ጐይታና ክርስቶስ ስልጣኑ ካብኡ ነጢቑዎ: ሕጂ ድማ ኣብቲ ዅሉ ዝኽእል ኢዱ መፍትሕታት ሞትን መቓብርን ሒዙ ኣሎ። ሞት ንእሾኹ ስኢኑ: መቓብር ድማ ንዓወቱ። ስለዚ: ሞት ናብቲ ምእመን እንተመጸ: ከም ጐይታ ዘይኮነስ: ከም ኣገልጋሊ እዩ ዝመጽእ። ከም ፖሊስ ንነፍሲ ናብ ዘለኣለማዊ ቤት ማእሰርቲ ንምስሓብ ዘይኮነስ: ከም ፈታዊ ኢድ ንቤት ጓንጓ ንምኽፋት: መንፈስ ድማ ናብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ኣብ ሰማያት ንኽነፍር የፍቅድ።


