ክርስቶስ ናብ ኣምላኹን ኣምላኽናን፡ ናብ ኣቦኡን ኣቦናን ዓረገ። ካብዚኣተን ክልተ ዝምድናታት ዚፈልቓ ኩለን በረኸታት ንካፈል ኢና። ብኹሉ መንፈሳዊ በረኸት ባሪኹና እዩ፡ ሓንቲ እኳ ኣይትጎድልን። ንሳተን ድማ ብሉጻት እየን፡ ከምቲ ናይ ኣይሁድ ግዝያዊ ኣይኮናን። ብብሉጽ ዓቕሚ ናይ ሓድሽ ሰብ ኢና ነዘን በረኸታት እዚኤን እንደስቲ፡ ንሳተን ድማ ነቲ ዓቕሚ ዝሰማምዓ እየን፡ መንፈሳውያን እየን። ኣብ ብሉጽ ቦታውን እየን፡ ኣብ ከነኣን ወይ ኣብ ምድሪ እማኑኤል ኣይኮናን። እዘን በረኸታት እዚኤን ኣብ ሰማያዊ ቦታታት ተዋሂበና እየን፡ ብብሉጽ መገዲ ተዋሂበና እየን፡ ንምምስሳል ቦታ ዘይትገድፍ—ብክርስቶስ እዩ። ኣምላኽን ኣቦን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብኹሉ መንፈሳዊ በረኸት ኣብ ሰማያዊ ቦታታት ብክርስቶስ ባሪኹና እዩ። እዚ ግና ካብ ልቢ ኣምላኽ ባዕሉ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ዝረኸበና ኩነታት ወጻኢ ካብ ዝኾነ ሓሳብ እዩ ዚፈልቕ። ዓለም ከይተፈጥረት፡ እዚ ኣብ ልቡ ቦታና ነበረ። ኣብ ክርስቶስ ቦታ ኺህበና ሓሲቡ ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ሓሪዩና።
እንታይ በረኸት፡ እንታይ ምንጪ ሓጎስ፡ እንታይ ጸጋ፡ ከምኡ ብመሰረት ልዑላዊ ፍቕሩ ዕላማታት ሞገስ ኣምላኽ ምዃን! ኣብዚ እቲ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ብክርስቶስ ከም ዝኾነ ብቐጻሊ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኸም ዚሕዞ ፍሉይ ኣቓልቦ ሃብ፡ ኣብ ሰማያዊ ቦታታት ብክርስቶስ፡ ኣብኡ ሓሪዩና ነበረ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ንውልድነት፡ ብፍቑር ተቐባልነት ረኺብና። እዚ ሓደ ካብቶም መሰረታዊ ስርዓታት ትምህርቲ መንፈስ ኣብዚ ቦታ እዩ። እቲ ኻልእ ድማ እቲ በረኸት ምንጩ ኣብ ኣምላኽ ባዕሉ ምዃኑ እዩ። ንሱ ምንጩን ደራሲኡን እዩ። ገዛእ ልቡ፡ ከምኡ እንተ ገለጽናዮ፡ ገዛእ ሓሳቡ፡ ምንጩን መለክዒኡን እዩ።




