ጐይታ የሱስ ከም ሰብ፡ ብፍቓዱ ኣብ ኣምላኽ ምትእምማን ወሰደ። ብጸሎት ኣገልግሎቱ ኣብ ጥምቀቱ ጀመረ፡ ብጸሎት ከኣ ኣብ መስቀል ወድአ። ብምጽላይ ነበረ፡ ብምጽላይ ከኣ ሞተ!
ንኣምላኽን ንሰብን ዝገበሮ ብጸሎት እዩ ተገይሩ። ምስ ኣቦኡ ብሕቡእ፡ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ ማእከል ኣዕሩኽ፡ ከምኡ’ውን ብግልጺ ኣብ መስቀል ተዛረበ። ንስምኦን ጴጥሮስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብቓሎም ንዝኣምኑሉ፡ ንጸላእቱ፡ ከምኡ’ውን ንርእሱ ጸለየ። ቅድሚን ድሕሪን ዝኾነ ዝተፈጸመ ኣገልግሎት፡ ንሱ በይኑ ኣብ ህድኣት ቅድሚ ኣምላኽ ንረኽቦ። ብተወሳኺ ነቲ ንምጽላይ ዝወጸሉ ግዜያት፡ ብቐጻሊ ብጸሎት ይነብር ነበረ፡ ስለዚ ኸኣ “ኣነ ግና እጽሊ” (መዝ. 109:4) ክብል ይኽእል ነበረ።
ኣምላኽ ብዘይ ምቁራጽ ክንጽሊ ይጽውዓና (1 ተሰ. 5:17)። ግናኸ እዚ ብሓቂ ከመይ ይኸውን፧ ኣምላኽ ንግሆ ኣብ ኣጕልና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅድሚ ምድቃስና ኸኣ እንደገና፡ የግዳስ ብምሉእ መዓልቲ ብቐጻሊ ብጸሎት ክንነብር ይደልየና፡ ብተወሳኺ ነቲ ብግልጺ ምስ ኣምላኽ እንዛረበሉ ግዜያት። እዚ ማለት፡ ንኣምላኽ ኣብ ኩሉ ኩነታት ህይወት ከም ዘጠቓልልን ብሓሳብና ኣብ ቅድሜና ከም እንሕዝን ማለት እዩ። ጐይታ የሱስ ከምዚ እዩ ዝነበረ፡ ንሱ ኸኣ “ንእግዚኣብሄር ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ ኣንቢረዮ ኣሎኹ” (መዝ. 16:8) ክብል ይኽእል ነበረ። ክሳዕ ክንደይ ዝገርም ኣርኣያ!




