እቶም ኣብ ከተማ ጥሮኣስ ዝነበሩ ኣመንቲ ጉባኤ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እንጌራ ንምብላዕ ተኣኪቦም ነበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምስኦም ዝኸውን ፍሉይ ጋሻ ነበሮም፣ ካብ ኣፉ ድማ ንልቦም ዘሐጎሰ ትምህርቲ ንምስማዕ ተሃንጥዮም ነበሩ።
ብዙሓት ካብዞም ፍቑራት ኣመንቲ እቲ ዓቢ ሃዋርያ ብኣካል ርእዮምዎ ወይ ሰሚዖምዎ ኣይፈልጡን ነበሩ፣ እንተኾነ ግን ንሱ ብመላእ ትንሹ እስያን ግሪኽን ብስራት ጸጋ ኣምላኽ ንምፍላጥ ህይወቱ ከም ዝወፈየ ይፈልጡ ነበሩ። ብዛዕባ ቅንኣቱን ብዛዕባ መከራኡን ንጐይታኦም ዝገበሮ ዕዮታትን ሰሚዖም ነበሩ።
ይኹን እምበር፣ ቀዳማይ ልቦም ዝነበረ ቅድሚ ኩሉ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብሞቱ ምዝካር፣ ከምቲ ንሱ ዝሓተቶ ድማ ካብቲ እንጌራን ወይንን ምስታፍ ነበረ። ካብ ዝኽሮም ዝመሃርዎም ብዙሓት መዝሙራት ዘመሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን፣ እንተኾነ ግን በዚ ግዜ እዚ ሒደት ብኢድ ዝተጻሕፉ ብራናታት፣ ቅዳሓት ናይ ቀዳሞት ደብዳቤታት ጳውሎስ ናብ ተሰሎንቄ፣ ገላትያ፣ ሮሜ፣ ከምኡ’ውን ቆሮንቶስ ክህልዎም ይኽእል ነይሩ። እዘን ደብዳቤታት እዚኤን ድማ ኩለን ጉባኤታት እዚ ትምህርቲ እዚ ከም ዝሰምዓ ንምርግጋጽ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ሜድትራንያ ክዘዋወራ ጀሚረን ነበራ። ኣብ ልቦም ክሕብእዎ ድማ ብሕዝቢ ዝንበብ ዝነበረ ኩሉ ይሕዝዎ ነበሩ (መዝ. 119:11)።
እዞም ቅዱሳን እዚኦም ምስ ጳውሎስ ማዕረ ኮይኖም ብሓንሳእ ይምልኹ ነበሩ፤ ንእኡ ዘይተለመደ ፍሉይ ክብሪ ኣይተዋህቦን፣ ንእኡ ዘለዎም ዓሚቕ ኣኽብሮት እኳ እንተነበረ። ጳውሎስ ካልእ ኣገባብ ኣይምረጸን ነይሩ። ባሮት ይኹኑ ወይ ነጻ፣ ኣህዛብ ይኹኑ ወይ ኣይሁድ፣ ሃብታማት ይኹኑ ወይ ድኻታት፣ ኩሎም መንግስቲ ኸህናት ነበሩ (1 ጴጥ. 2:5, 9፤ ራእ. 1:6)።
ንሕና እቶም ናብ መወዳእታ ናይዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ዘመን እንቐርብ ዘሎና፣ ነቲ ቐሊል ዝኾነ ነገር ከምቶም ቀዳሞት ኣመንቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ንምልእቲ ድዩ እነማቕሮ?




