ኣብዚ እምነት ምስ ክርስቶስ ስለ እተራኽበና፡ ንቕድስና መሳርሒ እያ። ሓጢኣተኛ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝኣመነሉ ጊዜ ምስኡ ይራኸብ። ምስኡ ሓደ ይኸውን፡ ብእኡ ምሉእ ይኸውን፡ ብእኡ ተቐባልነት የጥርይ። እዚ ሓቀኛ ቅድስናን ጽድቅን እዩ። እዚ መስርሕ ኣይኮነን። ብቕሩብ ዝኸውን ዕዮ ኣይኮነን። ብቕሩብ ዝምዕብል ኣይኮነን። እቲ ቃል ብንጹር ይገልጽ። “ብእምነት ብኣይ ዝተቐደሱ” ይብል። “ዝቕደሱ” ወይ “ዝቕደሱ ዘለዉ” ኣይብልን። እዚ ትምህርቲ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ከምኡ ተገሊጹ ምነበረ።
ብርግጽ፡ እቲ ኣማኒ ብፍልጠት ናይዚ ቅድስና፡ ብስምዒት ናይ ሓይሉን ክብርን፡ ብግብራዊ ጽልዋኡን ውጽኢቱን፡ ብተመክሮኡን ምጥዓሙን ይዓቢ። “እቲ ሓቂ” መለኮታዊ ብርሃኑ ኣብ ነፍሱ ከም ዝፈስስ፡ ኣብዛ ክፉእ ዓለም እዚኣ ንክርስቶስ “ምፍላይ” እንታይ ከም ዝሓዘ ብዝበለጸ ይርድኦ። እዚ ኩሉ ብሩኽ ሓቂ እዩ፤ እንተኾነ ግን፡ እቲ ሓቂ ብዝበለጸ ክረአ እንከሎ፡ ቅድስና ብመንፈስ ቅዱስ ኣብና ዝፍጸም ብቕሩብ ዝምዕብል ዕዮ ጥራይ ከም ዘይኮነ፡ የግዳስ ብእምነት ምስ ክርስቶስ ብምርኻብና ዝርከብ ውጽኢት ከም ዝኾነ፡ በዚ ድማ ካብ ኩሉ ንሱ ዝኾኖ ተኻፈልቲ ከም እንኸውን ብዝበለጸ ክንርድእ ኢና። እዚ ህጹጽ፡ ምሉእ፡ ከምኡ’ውን ዘለኣለማዊ ዕዮ እዩ።
“ኣምላኽ ዝገብሮ ዘበለ ኹሉ ንዘለኣለም ይኸውን። ሓደ እኳ ኺውሰኸሉ ወይ ኺንከየሉ ኣይከኣልን” (መክ. 3:14)። ምልክት ዘለኣለማዊነት ኣብ ኩሉ ዕዮ ኢድ ኣምላኽ ተሰሪሑ ኣሎ፡ “ሓደ እኳ ኺውሰኸሉ ኣይከኣልን”፡ ከምኡ’ውን፡ ስሙ ይባረኽ፡ “ሓደ እኳ ኺንከየሉ ኣይከኣልን።”




