12 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 13 ለካቲት: ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ
ዕለታዊ ብርሃን
ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ።
ሕዝቅኤል 1:26
እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5
ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ። ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት።
ፊልጵስዩስ 2:7–8
እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ።
ዕብራውያን 2:14
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ።
ራእይ 1:18
እቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ፥ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፤ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን የብሉን። ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። ብህይወቱ ግና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ ዝነብር።
ሮሜ 6:9–10
ወዲ ሰብ፥ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ፥ ክዓርግ እንተሎ እንተ እትሪእዎ ደኣ፥ እንታይ ምበልኩም?
ዮሃንስ 6:62
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።
ቈላስይስ 2:9
ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።
2ይ ቆሮንቶስ 13:4
እዚኣ ብመከራይ ኣሐጐሰትኒ።
ዳዊት 119:50
ህያው ነፍሲ ኾነ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:45
ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።
ዮሃንስ 5:26
ኢየሱስ ድማ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ። እቲ ዅሉ ህያው ዝኾነ ብኣይ ዝኣምን፥ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ።
ዮሃንስ 11:25–26
ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት። ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም። ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለዱ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወለዱ እዮም።
ዮሃንስ 1:4, 12–13
ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
ዮሃንስ 6:63
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን፥ መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቘርፅ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን፥ ፈልዩ ዝምርምር እዩ።
ዕብራውያን 4:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ11 ለካ 2026
ሚልክያስ 3:16 · ሉቃስ 24:15
10 ለካ 2026
ሉቃስ 11:34 · 1ይ ቆሮንቶስ 2:14
9 ለካ 2026
ሉቃስ 16:25 · ኢሳይያስ 60:20
8 ለካ 2026
ዮሃንስ 15:15 · ዘፍጥረት 18:17
7 ለካ 2026
ዘዳግም 8:10–11 · ሉቃስ 17:15–18
6 ለካ 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 1:14 · 2ይ ቆሮንቶስ 8:9






