11 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 12 ለካቲት: በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም
ዕለታዊ ብርሃን
“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሚልክያስ 3:17
ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት፥ ስምካ ገለፅኩሎም። ናትካ ነበሩ፤ ንኣይ ድማ ሃብካኒ፤ ቃልካውን ሓለዉ። ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ። ናትካ እዮም እሞ፥ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፥ ምእንቲ ዓለምስ ኣይልምንን እየ። ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፤ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፤ ኣነውን ብኣኣቶም እኸብር ኣለኹ። ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ።
ዮሃንስ 17:6, 9–10, 24
ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ።
ዮሃንስ 14:3
ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ ... ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።
2ይ ተሰሎንቄ 1:10
ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
1ይ ተሰሎንቄ 4:17
ብኢድ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ኣኽሊል፥ ብኢድ ኣምላኽኪ ድማ፥ ዘውዲ ንጉስ ክትኮኒ ኢኺ።
ኢሳይያስ 62:3
በይዛኻ ኽብርኻ ኣርእየኒ በሎ።
ዘፀኣት 33:18
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:6
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና። ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
ዮሃንስ 1:14, 18
ነፍሰይ፥ ናብ ህያው ኣምላኽ ትናፍቕ፤ መኣዝ ክበፅሕ እየ? ገፅ ኣምላኸይከ መኣዝ እየ ዝርኢ?
ዳዊት 42:2
ንስካ ገፀይ ድለዩ ምስ በልካ፥ ኦ ጐይታ፥ ልበይ ንገፅካ እደሊ ኣለኹ በለ።
ዳዊት 27:8
ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።
2ይ ቆሮንቶስ 3:18
ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ፥ እዞም ዝሃብካኒ፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፥ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ።
ዮሃንስ 17:24
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ10 ለካ 2026
ሉቃስ 11:34 · 1ይ ቆሮንቶስ 2:14
9 ለካ 2026
ሉቃስ 16:25 · ኢሳይያስ 60:20
8 ለካ 2026
ዮሃንስ 15:15 · ዘፍጥረት 18:17
7 ለካ 2026
ዘዳግም 8:10–11 · ሉቃስ 17:15–18
6 ለካ 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 1:14 · 2ይ ቆሮንቶስ 8:9
5 ለካ 2026
ዮሃንስ 10:10 · ዘፍጥረት 2:17





