ህይወት ኣበይ ትርከብ? ኣብ ሓሙሽተ ህይወት ዚቕይሩ ቓላት፡
«ኣነ ኩሉ ግዜ ምሳኻትኩም እየ።»ንስኻን ኣነን ንተስፋ ብቐጻሊ ንደሊ ኢና። ብዛዕባ ተስፋ ኽትፈልጦ ዘሎካ ገለ ነገራት እንሆ፡
- ኣምላኽ ንሰብ ንተስፋ ገይርዎ እዩ። ብስምዒት ኣይንነብርን ኢና፤ ኩላትና መንነትና፤ ትርጉም፡ ዕላማ፡ ከምኡ እውን ውሽጣዊ ስምዒት ሰላም ኣብ ገለ ነገር ንረክብ።
- እቲ ተስፋኻ እተንብረሉ ነገር ንኣንፈት ህይወትካ ኺውስኖ እዩ። ትፈልጦ ትኹን ኣይትፈልጦ፡ መገዲ ህይወትካ ብተስፋ እዩ ዚምራሕ። ኣብ ፍልስፍና፡ ኣብ ሰብ፡ ኣብ ሕልሚ፡ ኣብ ቦታ፡ ወይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ተስፋ እንተገበርካ፡ ህይወትካ በቲ ተስፋኻ እተንብረሉ ነገር ኪቕረጽ እዩ።
- ተስፋ ኩሉ ግዜ ትጽቢትን ዕላማን የጠቓልል። ንሓደ ነገር ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ እሞ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ነገር ኬምጽኣለይ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
- ተስፋ፡ ተስፋ ኪኸውን እንተደኣ ኮይኑ፡ ነቲ ዝተሰብረ ኺዕርዮ ኣለዎ። ነቲ ድሌታትካ ዘይፈትሕ ተስፋ ብዙሕ ተስፋ ኣይኰነን። ንመካኒክካ ተስፋ እተንብር፡ ነቲ ኣብ መኪናኻ ዝተሰብረ ኺዕርዮ ዚኽእል እንተዀይኑ ጥራይ እዩ።
- ኩሉ ግዜ ንርእስኻ ገለ ዓይነት ወንጌል ተስፋ ትሰብኽ። ኩሉ ግዜ ንተስፋ ትበጽሕ፡ ንርእስኻ ድማ ነቲ እትበጽሖ ነገር ቅኑዕ ምዃኑ ትሰብኽ።
- ግናኸ እዚ እዩ እቲ መሰረታዊ ሓቂ ወንጌል፡ ተስፋ ኩነታት ኣይኰነን። ተስፋ ቦታ ኣይኰነን። ተስፋ ንብረት ኣይኰነን። ተስፋ ተመክሮ ኣይኰነን።
ተስፋ ሰብ እዩ፡ ስሙ ድማ የሱስ እዩ!ናባኻ ይመጽእ እሞ ቃልኪዳን ተስፋ ይገብር፡
«እንሆ ድማ፡ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ ግዜ ምሳኻትኩም እየ» (ማቴዎስ 28፡20)።
ሕጂ ተስፋ ኣሎ። ካብቲ ሰባት ጽቡቓት ኪኾኑልካ፡ ስራሕካ ኺሰርሕ፡ ኣብ ፈተና ጽቡቕ ምርጫ ኽትገብር፡ ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ብቑዕ ክትከውን፡ ድኽነት ወይ ሕማም ከተወግድ፡ ወይ ጽቡቕ መነባብሮን እኹል መግቢን ኪህልወካ ዚብል ተስፋ ዝበለጸን ዝጠለቐን ነገር ኣሎካ። ኣይፋል፡ እዚ ዘለኣለማዊን ብሓቂ ግላዊን ተስፋ እዩ። የሱስ ሓያል ኣእዳዉ ኣብ ከባቢኻ ኸም ዝጠቕለለካን ፈጺሙ ኸም ዘይሓድገካን ኣብ ዚብል ሓቂ እዩ ዚምርኰስ። እቲ ዝሓሰብካዮ ዘበለ ኩሉ እንተ ዘይሰርሐን እቲ ዝፈርሓዮ ኩሉ ሕማቕ ነገር እንተ ኣጋጠመካን፡ ገና ተስፋ ኣሎካ፡ ምኽንያቱ ንሱ ብሓይልን ጸጋን ምሳኻ እዩ።
ካብ ሓድሽ ንግሆ ምሕረት ብ ጳውሎስ ዳዊት ትሪፕ፡ ኮፒራይት © 22.10.2024. ብፍቓድ ክሮስዌይ፡ ናይ ጉድ ኒውስ ፓብሊሸርስ፡ ዊተን፡ ኢል 60187፡ www.crossway.org ዝብል መጽሓፍ ሕትመት።





