መርትዖ ዲዛይን
ገሊኦም ኣምላኽ የልቦን ይብሉ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ድንቂ ነገራት ብኣጋጣሚ ዝመጸ እዩ። ሓያል ኢድ ሽሕ ቢልዮን ከዋኽብቲ ኣይገበረትን—ባዕላቶም እዮም ዝተፈጥሩ።
እቲ ላዕለዋይ ገለ ኢንች ምድርና ብኣጋጣሚ ለምለም ሓመድ ነይርዎ፡ ብዘይኡ ድማ እንበልዖ ኣሕምልቲ፡ ወይ ንእንስሳታትና ዚኸውን ሳዕሪ ኣይምሃለወናን።
እቲ ዘይውዳእ ኣየር፡ 100 ማይል ጥራይ ዝዕምቑ፡ ንህይወት ሰብ ዚኸውን ልክዕ ዝኾነ ጥብቂነት ዘለዎ፡ ካልእ ሕጊ ፊዚክስ ጥራይ እዩ! ድዩ፧
ማይ ምስ ቐዘሐ ይሰፍሕ፡ ካልኦት ነገራት ግና ይጸብቡ። እዚ ድማ በረድ ካብ ማይ ዝቐለለ ኪኸውንን ኣብ ልዕሊ ማይ ኪንሳፈፍን ይገብሮ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ሓይክታት ንዓመቱ ምሉእ ክሳዕ ታሕቲ ብበረድ ምተመልኡ፡ ዓሳ ድማ ኣይምነበረን። እዚ ምድላው እዚ መን ገበሮ፧
ምድሪ ብሓደ ፍሉይ ፍጥነት ዘይተቋርጽ ምብራቕን ምዕራብን ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧ ንሕና ወቕቲ ኽንረክብሲ መን እዩ ዜዘንብላ፧
ጸሓይ ንዓና ኣብ ምድሪ ኸነብር ዚኸውን ጥራይ ዝሙቕ ሓዊ ተንብዕ፡ ግናኸ ንምጥባስና ዚኸውን ኣይሙቕን፡ ንምቕታልና ዚኸውን ድማ ኣይዝሑልን። ነቲ ሓዊ ቐጻሊ ዚገብሮ መን እዩ፧
ልቢ ሰብ ን70 ወይ 90 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብዘይ ምፍሻል ኪወቕዕ እዩ። ኣብ መንጎ ምውቕዋቕ ከመይ ገይሩ እኹል ዕረፍቲ ይረክብ፧ ሓንቲ ኵሊት ንመርዝ ካብ ደም ተጸሪ፡ ንጽቡቕ ነገራት ግና ትገድፎም። ሓደ ኻብቲ ሓደ ከመይ ገይራ ትፈልጥ፧ ንልሳን ሰብ ቃላት ንምፍጣርን ንኣእምሮ ድማ ንምርዳእን ተጣጣፊነት ዚህብ፡ ንኹሎም እንስሳታት ግና ዚኸልኦ መን እዩ፧
ኩሉ ብኣጋጣሚ ድዩ፧ ኣምላኽ የልቦን ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ከምኡ ይብሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ «ኣብ መጀመርታ፡ ኣምላኽ ፈጠረ…» (ዘፍጥረት 1:1) ይብል።
ግናኸ፡ ዓሻ ኣብ ልቡ፡ ኣምላኽ የልቦን ኢሉ (መዝሙር 53:1)።
ከምቲ ንመርትዖ ዓይኑ ዚዓጽው ኣድልዎ ዚኣክል ዘይሰርጽ የልቦን።




