ንሓለቓ መዘምራን። «ኣይተጥፍእ» ዝብል ዜማ። ሚክታም ዳዊት፡ ካብ ሳኦል ሃዲሙ ናብ ዋሻ ምስ ኣተወ።
- ኣምላኽ ሆይ፡ ምሓረኒ፡ ምሓረኒ! ነፍሰይ ብኣኻ ትውከል እያ እሞ። ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኸኣ መዕቆቢይ ክገብር እየ። እዚ መከራ እዚ ኽሳዕ ዚሓልፍ።
- ናብ ልዑል ኣምላኽ ክጮኽ እየ። ንኣይ ኵሉ ዚፍጽም ኣምላኽ።
- ካብ ሰማይ ክልእኽን ከድሕነንን እዩ። ንዚውሕጠኒ ኸኣ ይነቅፎ። ሴላ። ኣምላኽ ምሕረቱን ሓቂኡን ክልእኽ እዩ።
- ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ። ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ፡ ሓዊ ዝነደደሎም፡ እድቅስ ኣሎኹ። ኣስናኖም ኲናትና ፍላጻታት እዩ። ልሳኖም ከኣ በራድ ሰይፊ።
- ኣምላኽ ሆይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል። ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።
- ንእግረይ መርበብ ኣዳልዮምለይ። ነፍሰይ ተደፊኣ ኣላ። ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ሓፊሮም። ኣብ ማእከላ ኸኣ ንሳቶም ባዕሎም ወዲቖም። ሴላ።
- ኣምላኽ ሆይ፡ ልበይ ጸኒዑ ኣሎ፡ ልበይ ጸኒዑ ኣሎ። ክዝምርን ከመስግንን እየ።
- ክብረይ ተንስእ! በገናን መሰንቆን ተንስኡ! ንንጋሆ ኸተንስእ እየ።
- ኣብ ማእከል ህዝብታት ክውድሰካ እየ፡ ጐይታይ። ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክዝምረልካ እየ።
- ምሕረትካ ኽሳዕ ሰማያት ይበጽሕ እዩ እሞ። ሓቂኻ ኸኣ ኽሳዕ ደበናታት።
- ኣምላኽ ሆይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል። ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ይኹን።





