«ሓገዘይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጽእ፡ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ» (መዝሙር 121:2)
ኩላትና ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ደጋጊሙ ዝፈቕዶም ሽግራት ከምኡ’ውን ጸገማት ክንዋስኣሎም ይግብኣና። እቲ ሕቶ ግን ከመይ ጌርና ንዋስኣሎም እዩ!
ንሽግራት ክንርእየሎም እንኽእል ክልተ ኣገባባት ኣለዉ። ሓደ፡ ኣብቲ ሽግር ምጥማት እዩ። ከም ዓቢ ከረን ኣብ ቅድሜና ደው ኢሉ ንኹሉ ኣተሓሳስባና ይወስዶ። ሽዑ ድማ ንኣምላኽ ንርስዖ። ምናልባት ኣብ ገለ እዋን ብጥርጣረ ንላዕሊ ንጥምት እሞ ኣምላኽ ነዚ ዓቢ ሽግር ክፈትሖ ይኽእል ድዩ ኢልና ንሓትት።
ግን ካልእ ኣገባብ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ኣብ ኣምላኽ ምጥማት እዩ። ዕቤቱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ንሕዝ። ክሳዕ ክንደይ ሓያልን ግሩምን ምዃኑ ንርዳእ።
ሽዑ ነቲ ሽግር ብብርሃን ዕቤት ኣምላኽ እንተ ረኤናዮ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ፍጹም ዝተፈላለየ መደምደምታ ንበጽሕ። ከመይሲ ሽዑ ነዚ ዓቢን ሓያልን ኣምላኽ፡ እዚ ሽግር እዚ ብሓቂ ሽግር ከም ዘይኮነ ንርግጸሉ። ንእኡ ዘይከኣል ነገር ከም ዘየለ፡ ንኹሉ ድማ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከም ዘሎ!
ስለዚ፡ ኣብ ዕቤት ኣምላኽ እምበር ኣብ ዕቤት ሽግራትኩም ኣይትተኩሩ!





