ጽቡቕ ተግባራት ናብ ሰማይ ከብጽሑና ይኽእሉ ድዮም?
ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ሞቱ ናብ ሰማይ ብኸመይ ከም ዝበጽሑ ምስ ተሓተቱ፡ «ጽቡቕ ተግባራተይ ካብ ዝገበርክዎ ሕማቕ ነገራት ዝበዝሕ ይመስለኒ» ይብሉ። እቲ መሰረታዊ ሓሳብ፡ ጽቡቕ ተግባራቶም ናብ ሰማይ ዝወስዶም መገዲ ከም ዝኸውን እዩ። ጽቡቕ ተግባራት ኣገደስቲ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝርዝር ናይ ኣምላኽ ንምድሓን ዘድልዩ ነገራት ግን ኣይርከቡን። ጽቡቕ ተግባራቶም ናብ ሰማይ ከብጽሖም እዩ ዝብሉ ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምድሓን እንታይ ከም ዝብል ክፈልጡ ኣለዎም።
ቅድም ሓጢኣተኛ ምዃንና ምስ ቅድስና ኣምላኽ ክነነጻጽሮ ኣሎና። ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ነበረ፡ «ወይለይ ... ጠፋእኩ! ከመይሲ ኣነ ርኹስ ከንፈር ዘለዎ ሰብ እየ» (ኢሳይያስ 6:5) ኢሉ ጨደረ። ክሳዕ ክንደይ ካብ ቅድስና ኣምላኽ ከም ዝጎደለ ክርኢ ኸሎ፡ ክሳዕ ሽዑ ሕማቕ ከም ዝነበረ ኣይሓሰበን።
ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ምስ ዘይተኣዘዙ፡ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ። ሓጢኣቶም ከምቲ ዝመስል ከቢድ ዘይከውን ይኸውን። ገሊኦም ከም ቆልዓ ኣደኡ ኣብ ዘይትረኣየሉ ኩኪ ዝሰርቕ እዮም ዝመስልዎ። ኣዳም ግን ቆልዓ ኣይነበረን፡ ኣምላኽ ድማ ኣብ ገነት ኤድን ካብ ሓንቲ ፍልይቲ ኦም ፍረ ከይበልዕ ኣዚዝዎ ነበረ (ዘፍጥረት 2:16-17)። ነታ ፍረ ምብልዑ ቀጥታዊ ዘይእዝዝነት ነበረ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎኡን ኣምላኽን ዘይስገር ፍልልይ ፈጠረ። እዚ ዘይእዝዝነት እዚ ሓጢኣት ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ንኹሉ ደቂ ሰብ ድማ መንፈሳውን ስጋውን ሞት ከም ዝወርስ ገበሮ፡ «ከምቲ ሓጢኣት ብሓደ ሰብ ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ሞት ድማ ብሓጢኣት ... ብኸምዚ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ በጽሐ፡ ከመይሲ ኩሉ ሰብ ሓጢኣት ገበረ» (ሮሜ 5:12)።
ኩላትና ሓጢኣተኛታት ምዃንናን ብገዛእ ጻዕርና ንኣምላኽ ከነሐጉስ ፈጺምና ዘይንኽእል ምዃንናን ዘርእዩና ብዙሓት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉ፡ «ኩሉ ሰብ ሓጢኣት ገበረን ክብሪ ኣምላኽን ስኢኑ» (ሮሜ 3:23)። መንፈሳውን ስጋውን ሞት ንኹሎም ሓጢኣተኛታት ይቕጽል፡ «ደሞዝ ሓጢኣት ሞት እዩ እሞ፡ ህያብ ኣምላኽ ግና ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ» (ሮሜ 6:23)። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ንምድሓን ዝኸውን ጽቡቕ ተግባራት የብሉን ይብለና፡ ከመይሲ «ኩሉ ጽድቅና ኸም ርኹስ ጨርቂ እዩ» (ኢሳይያስ 64:6)።
ኣምላኽ ይፈልጠናን ንርእስና ከነድሕን ዘይንኽእል ምዃንና ብምሉኡ ይርድኣናን። ግናኸ፡ ብሰንኪ ዓብዪ ፍቕሩ ንኹሉ ደቂ ሰብ፡ ካብ ሓጢኣትና ከድሕነና ዘለዎ መደብ ገለጸ፡ «ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈቐራ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ከይጠፍእ፡ ህይወት ዘለኣለም የሕልፍ እምበር፡ ንወዱ ሃበ። ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፡ ንዓለም ኪዅንን ዘይኮነስ፡ ዓለም ብእኡ ኸድሕን እዩ» (ዮሃንስ 3:16-17)። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ብገዛእ ተመክሮኡ ተመርኲሱ፡ «ኣምላኽ ግና ገና ሓጢኣተኛታት ከሎና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብምማቱ፡ ፍቕሩ ኣባና ኣርኣየ» (ሮሜ 5:8) ኢሉ ጸሓፈ።
ኣምላኽ ምድሓን ንኹሉ ሰብ ኣዳልዩ ኣሎ፡ ግናኸ ንኣምላኽ ክንኣምንን የሱስ ደሙ ምስ ኣፍሰሰን ኣብ መስቀል ምስ ሞተን ዝገበሮ ፍጹም መስዋእቲ ክንእመን ኣሎና፡ «ብዝጠፍእ ብሩር ወይ ወርቂ ኸም ዘይተዋጀኹም ትፈልጡ ኢኹም ... ግናኸ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ ጉድለትን በጊዕ» (1 ጴጥሮስ 1:18-19)።
ምድሓን ብጽቡቕ ተግባራትና ኣይፍጸምን እዩ፡ ግናኸ ካብ ሓጢኣተኛ መገድታትና ብምምላስን (ብንስሓ) ንየሱስ መድሓኒና ክኸውን ምስ እንሓቶ፡ ምድሓን ከም ነጻ ህያብ ንቕበሎ፡ «በጸጋ ኢኹም ብእምነት ዝደሓንኩም እሞ፡ እዚ ኸኣ ካባኻትኩም ኣይኮነን፡ ህያብ ኣምላኽ እዩ፡ ሓደ እኳ ኸይተመክሕ ብግብሪ ኣይኮነን» (ኤፌሶን 2:8-9)። ሃዋርያ ዮሃንስ ድማ፡ «ንዝተቐበልዎ ኩሎም፡ ብስሙ ንዝኣመኑ ድማ፡ ደቂ ኣምላኽ ኪኾኑ መሰል ሃቦም» (ዮሃንስ 1:12) ኢሉ ጸሓፈ።
ንክርስቶስ ናብ ህይወትና ምቕባልና፡ ምሕረት ሓጢኣት፡ ምርግጋጽ ዘለኣለማዊ ህይወት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰማይ ቦታ ይውሕሰልና። «ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣለዎ፡ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት የብሉን። እዚ ነገር እዚ፡ ህይወት ዘለኣለም ከም ዘሎኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ብስም ወዲ ኣምላኽ ንእትኣምኑኹም እጽሕፈልኩም ኣሎኹ» (1 ዮሃንስ 5:12-13)።
ብጽቡቕ ተግባራት ናብ ሰማይ ንምብጻሕ ምፍታን ኣይሰርሕን እዩ። ብመደብ ኣምላኽ ንምድሓን ምእማን ግን ይሰርሕ። ብዛዕባ መደብ ኣምላኽ ዝያዳ ሓበሬታ ትደሊዶ? ዝያዳ ክንነግረካ ንኽእል!





