«የሱስ ድማ «ኪድ፣ ወድኻ ብህይወት ኣሎ» በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ንቓል የሱስ ኣሚኑ ኸደ።» (ዮሃንስ 4:50)
«ዝኾነ ትልምንዎ ዘበለ፣ ብጸሎት እንተ ሓቲትኩምዎ፣ ከም እትቕበልዎ እመኑ።» (ማርቆስ 11:24)
ነቲ ብኡንብኡ ጸሎት ዜድልዮ ነገር ምስ እትገጥመኩም፣ ንኣምላኽ ክሳዕ እትኣምንዎ—ክሳዕ ብምሉእ ልብኹም ንምላሹ ኸተመስግንዎ ኽትጸልዩ ኣሎኩም። ነቲ ግዳማዊ መልሲ ብኡንብኡ እንተ ዘይርኢኹምዎ፣ ንኣምላኽ ብርግጽ ከም ዘይትኣምንዎ ዜርኢ ብኸምኡ መገዲ ኣይትጸልዩሉ። እዚ ዓይነት ጸሎት እዚ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ዚኸውን ንዓኹም ዕንቅፋት ኪኸውን እዩ። ጸሎትኩም ምስ ወዳእኩም ከኣ፣ እምነትኩም ከም ዝደኸመ ወይ ምሉእ ብምሉኡ ኸም ዝጠፍአ ኽትረኽቡ ኢኹም። ነዚ ዓይነት ጸሎት እዚ ንምቕራብ ዝተሰምዓኩም ህጹጽነት ብንጹር ካብ ርእስኹምን ካብ ሰይጣንን እዩ። ንእግዚኣብሔር ንነገሩ እንደገና ምጥቃስ ጌጋ ኣይኸውንን እዩ፣ ንምላሹ ኸም ዚጽበየኩም እንተ ኣሎ፣ ግናኸ እምነትኩም ዜርኢ ብዝኾነ መገዲ ምግባርኩም ኣረጋግጹ።
እምነትኩም ዜዳኽም ብዝኾነ መገዲ ኣይትጸልዩ። ከም እትጽበይዎ፣ ከም እትኣምንዎ፣ ስለዚ ድማ ንምላሹ ኸም እተመስግንዎ ኽትነግርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ንምላሹ ኸምኡ መጠን ምርግጋጽ ዘለዎ እሞ ንኣምላኽ ከም እተመስግንዎ ዚገብር ነገር የልቦን። እምነት ዜንጥልና ጸሎታት ንቓል ኣምላኽን ነቲ ኣብ ልብና ዝተሹሹካ «እወ»ን ይነጽግ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎታት ንስምዒት ልብና ጥራይ እዩ ዜርኢ፣ ስምዒት ከኣ ጸሎትና ኸም ዚምለስ ዘይምእማን እዩ ዜመልክት።
«ሕጂ ግና ንሕና እቶም ዝኣመንና ናብቲ ዕረፍቲ ንኣቱ» (እብራውያን 4:3)።
እምነት ዜንጥልና ዓይነት ጸሎት ብዙሕ ግዜ ሓሳባትና ኣብቲ ሽግር ኣብ ክንዲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ምትኳር እዩ ዚመጽእ።
ኣብርሃም፣ «እምነቱ ከይደኸመ፣ . . . ስጋኡ ኸም ዝሞተ ዀይኑ ኸም ዝነበረ ገጠሞ። . . . ግናኸ ብዘይምእማን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኣይተጠራጠረን፣ የግዳስ ብእምነቱ በረኸ፣ ንኣምላኽ ከኣ ክብሪ ሃበ» (ሮሜ 4:19-20)።
እምነት ዜዳኽም ጸሎታት ከይንጽሊ፣ «ንፈተና ኸይትኣትዉ ንቕሑን ጸልዩን» (ማቴዎስ 26:41)።
እምነት ስምዒት ኣይኮነን፣ ኣይርእየትን፣ ኣይሓስብን፣ የግዳስ ንኣምላኽ ብቓሉ ምእማን ጥራይ እዩ።
መጀመርታ ጭንቀት መወዳእታ እምነት እዩ፣ መጀመርታ ሓቀኛ እምነት ከኣ መወዳእታ ጭንቀት እዩ።
ኣብ ምቹእ ከባቢታት እምነት ኣይክትመሃርን ኢኻ። ኣምላኽ ኣብ ህዱእ ሰዓት ቓላቱ ይህበና፣ ኪዳናቱ ብዓበይትን ጸጋውያንን ቃላት የዕትም፣ ድሕሪኡ ድማ ይምለስ፣ ክንደይ ከም እንኣምን ንምርኣይ ይጽበ። ድሕሪኡ ድማ ፈታኒ ኺመጽእ ይፈቕድ፣ እቲ ዚመጽእ ፈተና ኸኣ ንኹሉ እቲ ዝተዛረቦ ዚጻረር ኪመስል ይኽእል። እዚ እዩ እምነት ዘውዳ እትረኽበሉ እዋን። እዚ እዩ ብማዕበል ገይርካ ናብ ላዕሊ እትጥምተሉ እዋን፣ ኣብ መንጎ እቶም ዚርዕዱን ዚፈርሑን መርከበኛታት ከኣ ክትእውጅ፣
«ከምቲ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ብኣምላኽ እኣምን እየ» (ግብሪ ሃዋርያት 27:25)።
እመን እሞ ተኣመን፣ ብኸዋኽብትን ጸሓይን ገይርካ፣
ብህይወትን ሞትን፣ ብነፍስን ስምዒትን ገይርካ፣
ጥበበኛ ኣቦኣዊ ዕላማኡ ይኸይድ፣
ጸልማት ኣምላኻዊ ምድላዉ
ብመለኮታዊ ዕላማታት ብኸዋኽብቲ ይበርህ።






