«ኣዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ ... ንስኻትኩም ካብአን ብዙሕ ኣይትበልጹንዶ?» ማቴዎስ 6:26
ቅድሚያ ንዝግብኦ ምሃብ
ካብ ኣዕዋፍ ንበልጽ
ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ብዙሕ ዓይነት ህይወት ክንርኢ ከሎና፡ ብዙሕ ክንመሃሮ እንኽእል ነገር ኣሎ። ጐይታና የሱስ ንሰማዕቱ ነተን ኣዕዋፍ «ክሪኡ» ነጊርዎም፡ ማለት ብጥንቃቐ ኪሓስብወን። ንሳተን ቀሊል ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምህራና ይኽእላ እየን።
ስምዑ
እቶም ንየሱስ ዝሰምዑ ዝነበሩ ሰባት፡ ከምቲ ሎሚ ንሕና እንገብሮ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ይጭነቑ ነበሩ። ከም መግቢን መስተን ዝኣመሰሉ ነገራት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ክዳውንቲ ዝምልከት ሕቶታት ሓሳባቶም ይሕዝ ነበረ። ኣብቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ናብ ዝቐረበ ጎደና ተመላለስ እሞ፡ ነገራት ከም ዘይተቐየረ ክትርኢ ኢኻ! ድኳናትን መሸጣ ቦታታትን ብዙሕ መግቢ፡ መስተ፡ ክዳውንቲ፡ ኣሳእን ከምኡ’ውን ፋሽን የርእዩ። ብሓቂ፡ እቲ ምርጫ ሎሚ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ዝነበረ ኣዝዩ ዝበለጸ እዩ። ህይወትና፡ ካብኦም ንላዕሊ፡ ብዛዕባ እንታይ ክንበልዕ፡ ክንሰቲ ወይ ክንለብስ ዘሎና ዕለታዊ ሕቶታት ክትሕዝ ትኽእል እያ (ማቴዎስ 6:25)።
ሓስቡ
እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ፡ ጐይታ የሱስ ንሰማዕቱ ነተን ኣዕዋፍ ኪሓስብወን ነገሮም። ንሳተን ብግብርና ኣይተዋፍራን፡ ዘርኢ ኪዘርኣ፡ ምህርቲ ኪሓፍሳ፡ ወይ ፍርያት ግራት ኪዕቕባ ኣይክእላን እየን። ንሳተን ከም ናትና ምስትውዓል የብለንን፡ ምኽንያቱ ኣተሓሳስበአን ውሱን እዩ። ንሳተን መግበን ከም ዝደልያኦ ጥራይ ይሰበስባ፡ እዚ ድማ ዕለታዊ ኣገባበን እዩ። የሱስ፡ «ኣቦኹም ሰማያዊ ይምግበን እዩ» በለ (ማቴዎስ 6:26)። ብፍላይ፡ ንኣምላኽ ከም ሰማያዊ ኣቦአን ዘይኮነስ፡ ከም ናትኩም እዩ ዝጠቐሶ፡ ምኽንያቱ ሰባት ጥራይ እዮም ንኣምላኽ ከም ሰማያዊ ኣቦ ኪፈልጥዎ ዝኽእሉ። ስለዚ፡ ንሳተን እንተ ኣቕረበለን፡ ንኣና’ውን ከምኡ ኪህበና እዩ።
እመን
«ብዛዕባ ህይወትኩም ኣይትጨነቑ» (ማቴዎስ 6:25) ምስ በለ፡ የሱስ ንዘይሓላፍነት ኣየተባብዕን ነበረ፡ ምኽንያቱ እዚ ምስ ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጋጮ እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ከምኡ’ውን ብስጋዊ ነገራት ከይተዋፈርካ ምጽናሕ ኣድላይነት የጕልሕ ነበረ። ብዛዕባ ህይወትና ክንሓስብ እንተ ኣሎና’ኳ፡ ጭንቀት ዝመልኦ ሓሳብ ክኸውን የብሉን። ንቑመትና ሓንቲ እመት ክንውስኽ ኣይንኽእልን፡ ከምኡ’ውን ንዕድመና ምውሳኽ ክንውሕስ ኣይንኽእልን (ማቴዎስ 6:27)። ብሓቂ፡ ጭንቀት ንህይወትና ካብ ጥቕሚ ንላዕሊ ጉድኣት ከምጽእ እዩ።
ተግብር
እቲ ዓቢ ድሌት ቅድሚያ ንዝግብኦ ምሃብ እዩ። እታ ዘላትና ህይወት ካብቲ እንበልዖ መግቢ ዝያዳ ኣገዳሲት እያ (ማቴዎስ 6:25)፡ ጥዑይ ምብላዕ ግን ኣገዳሲ እዩ! ብዘይዕሽነት ወይ ዘይሓላፍነት፡ ነዚ ካብ መድሓኒና ዝመጸ ተግሳጽ ክንቕበልን ነቲ «ብዛዕባ ህይወትኩም ኣይትጨነቑ» (ማቴዎስ 6:25) ዝብል እገዳኡ ብቁምነገር ክንወስዶን ኣሎና። ኣብርሃም ንይስሃቅ፡ «ኣምላኽ ኪህብ እዩ» በሎ (ዘፍጥረት 22:8)። ኣምላኽ ሽዑ ገበሮ፡ ሎሚ’ውን ኪገብሮ እዩ።





