30 ሓም 2024
ዕለታዊ ብርሃን, 31 ሓምለ: ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ
ዕለታዊ ብርሃን
ከም ተባዕ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወታደር ኴንካ፥ ምሳይ መከራ ተቐበል።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:3
ንኣህዛብ ምስክር፥ ንህዝቢ እውን ሓለቓን ገዛእን ገይረዮ ኣለኹ።
ኢሳይያስ 55:4
እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ፥ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኸእትዎም፥ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ፥ ብመከራ ፍፁም ክገብሮ ተገብኦ።
ዕብራውያን 2:10
ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።
ግብሪ ሃዋርያት 14:22
ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን። ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ።
ኤፌሶን 6:12–13
ከም ልማድ ሰብ ኣይንዋጋእን። ኣፅዋር ውግእና፥ ስጋዊ ኣፅዋር ኣይኮነን እሞ፤ ፅኑዕ ዕርድታት ንምፍራስ ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብርቱዕ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 10:3–4
ናብ ዘለኣለም ክብሩ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝፀውዐኩም፥ ኣምላክ ናይ ኵሉ ፀጋ፥ ቁሩብ ጊዜ መከራ ምስ ተቐበልኩም፥ ንሱ ኽፍፅመልኩም፥ ከፅንዐኩም፥ ከበርትዐኩም፥ ክምስርተኩምውን እዩ።
1ይ ጴጥሮስ 5:10
ብመእሰሪ ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ፀዓሩ።
ኤፌሶን 4:3
ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተፀዋዕኹም።
ኤፌሶን 4:4
ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ። እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን። እቲ ህንፃ ብምሉኡ፥ ዝተቐደሰ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፥ ብጐይታ እናተገጣጠመ ይዓቢ። ንስኻትኩምውን ብመንፈስ ቅዱስ መሕደሪ እግዚኣብሄር ክትኮኑ፥ ሓቢርኩም ብእኡ ትህነፁ ኣለኹም።
ኤፌሶን 2:18–22
እንሆ፥ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም እንትነብሩ፥ ከመይ ሰናይ እዩ! ኸመይከ ፅቡቕ እዩ! ካብ ርእሲ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኸም ዝፈስስ፥ ክሳዕ ጭሕሚ ኣሮን፥ ክሳዕ መደረብያ ኽዳኑውን ከም ዝወርድ ሽቱ እዩ።
ዳዊት 133:1–2
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
1ይ ጴጥሮስ 1:22
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ29 ሓም 2024
ኢሳይያስ 64:1 · መሃልየ 8:14
28 ሓም 2024
ኤፌሶን 5:2 · ዮሃንስ 13:34
27 ሓም 2024
2ይ ቆሮንቶስ 4:4 · ኢሳይያስ 40:5
26 ሓም 2024
ዕብራውያን 11:8 · ዳዊት 47:4
25 ሓም 2024
1ይ ዮሃንስ 3:14 · ዮሃንስ 5:24
24 ሓም 2024
ሮሜ 12:12 · 1ይ ሳሙኤል 3:18






