25 ሓም 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 26 ሓምለ: ዕለታዊ ብርሃን, 26 ሓምለ: ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ (ዕብራውያን 11:8)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን።
ዕብራውያን 11:8
ናይ ያእቆብ ፅባቐ ዝፈተወ።
ዳዊት 47:4
ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ፤ ከበቦን ተኸናኸኖን ከም ብሌን ዓይኒውን ሓለዎ። ንስሪ ንጨቓዊቱ ምንፋር ከም ዝምህር ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸም ዝዝምቢ፥ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም። እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም፤ ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።
ዘዳግም 32:10–12
ዝጠቕመካ ነገር ዝምህረካን፥ በታ እትኸደላ መንገዲ ዝመርሐካን፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
ኢሳይያስ 48:17
ከምኡ ገይሩ ዝምህርከ መን ኣሎ?
ኢዮብ 36:22
ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:7
ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።
ዕብራውያን 13:14
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝኾንኩም፥ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ፥ ስጋዊ ፍትወት ረሓቑ እናበልኩ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
1ይ ጴጥሮስ 2:11
ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ።
ሚክያስ 2:10
ንቕድስናኡ መዘከርታውን ኣመስግኑ።
ዳዊት 97:12
ስማያትውን ኣብ ቅድሚኡ ንፁሃት ኣይኮኑን፤ እቲ ንሓጢኣት ከም ማይ ዝሰትዮ ሰብ ግዳ፥ ክንደይ ዘፀይፍን ብልሽውን ዘይኸውን!
ኢዮብ 15:15–16
እዝ በስባስን ሓሳኽን ዝኾነ መዋቲ ሰብ ግዳ ኸመይ ይንእስ!”
ኢዮብ 25:5–6
ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ።
ዘፀኣት 15:11
ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኢሳይያስ 6:3
“ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ከምቲ እቲ ዝፀውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን፥ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ።
1ይ ጴጥሮስ 1:15–16
ናይ ቅድስናኡ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ንጥቕምና ይቐፅዐና።
ዕብራውያን 12:10
ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 3:17
እናተፀበኹምን፥ እናቀላጠፍኩምን፥ ብቕዱስ ህይወትን፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ፍጥረት ሰማይ ከዓ፥ ብረስኒ ኽመክኽ እዩ። ... ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:11, 14
እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከምዘድልዮም ክሃንፅ ዝኽእል፥ ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ... ንመዓልቲ ድሕነትኩም እተሓተምኩምሉ፥ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣይተሕዝንዎ።
ኤፌሶን 4:29–30
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ24 ሓም 2024
ሮሜ 12:12 · 1ይ ሳሙኤል 3:18
23 ሓም 2024
1ይ ቆሮንቶስ 15:24 · ማርቆስ 13:32–33
22 ሓም 2024
ሮሜ 6:10 · ኢሳይያስ 53:12
21 ሓም 2024
ሮሜ 3:1–2 · ኤርሚያስ 4:4
20 ሓም 2024
ዮሃንስ 17:16 · ኢሳይያስ 53:3
19 ሓም 2024
ሉቃስ 1:49 · ዘፀኣት 15:11






