24 ሓም 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 25 ሓምለ: ዕለታዊ ብርሃን, 25 ሓምለ: ንሕና ነሕዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና (1ይ ዮሃንስ 3:14)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንሕና ነሕዋትና ነፍቅሮም ስለ ዝኾንና።
1ይ ዮሃንስ 3:14
እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ይሳገር እምበር፥ ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
ዮሃንስ 5:24
ወዲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብ፥ ህይወት ኣላቶ፤ እቲ ወዲ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዘይብሉ ግና፥ ህይወት የብሉን።
1ይ ዮሃንስ 5:12
እቲ ንኣና ምሳኻትኩም ብክርስቶስ ዘፅንዐናን፥ ዝቐብአናን እግዚኣብሄር እዩ። ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:21–22
ካብ ሓቂ ወገን ምዃንና ኸዓ፥ በዙይ ክንፈልጥ ኢና፤ ሕሊናና እንተ ወቐሰና፥ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ዝዓብን፥ ኵሉ ዝፈልጥን ስለ ዝኾነ፥ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ኽነህድኦ ኢና። ኣቱም ፍቑራተይ፥ ልብና እንተ ዘይወቐሰና ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና።
1ይ ዮሃንስ 3:19, 21
ንሕና ናይ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንና፥ ኵላ ዓለም ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ኽፉእ ከም ዘላ፥ ንፈልጥ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 5:19
ንስኻትኩም ብበደልኩምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታን ነበርኩም።
ኤፌሶን 2:1
ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና።
ኤፌሶን 2:5
ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና።
ቈላስይስ 1:13
መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ።
ዳዊት 16:11
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኽትብሎም ኢኻ፦ “እንሆ፥ ኣብ ቅድሜኹም መንገዲ ህይወትን መንገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ።
ኤርሚያስ 21:8
ምእንታኻትኩም ምፅላይ ብምሕዳገይ ከዓ ንእግዚኣብሄር ካብ ምብዳል የድሕነኒ።
1ይ ሳሙኤል 12:23
ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ዮሃንስ 14:6
ኣነ ኸዓ ኣስገርቲ ሰብ ክገብረኩም እየ በሎም።
ማቴዎስ 4:19
እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ በሪ ገፋሕ፥ መንገዳውን ሰፊሕ እዩ እሞ፥ እቶም ናብኣ ዝኣትዉ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ በሪ ግና ፀባብ እያ፤ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ ኸዓ ውሑዳት እዮም።
ማቴዎስ 7:13–14
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
ኢሳይያስ 35:8
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ።
ሆሴዕ 6:3
ኣብ እንዳ ኣቦይ፥ ብዙሕ መንበሪ ኣሎ፤ እንተ ዘይህሉስ፥ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ፥ ኣይምበልኩኹምን ነይረ።
ዮሃንስ 14:2
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ23 ሓም 2024
1ይ ቆሮንቶስ 15:24 · ማርቆስ 13:32–33
22 ሓም 2024
ሮሜ 6:10 · ኢሳይያስ 53:12
21 ሓም 2024
ሮሜ 3:1–2 · ኤርሚያስ 4:4
20 ሓም 2024
ዮሃንስ 17:16 · ኢሳይያስ 53:3
19 ሓም 2024
ሉቃስ 1:49 · ዘፀኣት 15:11
18 ሓም 2024
ዮሃንስ 10:3 · 2ይ ጢሞቴዎስ 2:19





