18 መጋ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 19 መጋቢት: ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም
ዕለታዊ ብርሃን
ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣትኩም ተመሊስኩም ምእንቲ ኽባርኸኩም፥ ንወዱ ኣተሲኡ፥ ቅድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”
ግብሪ ሃዋርያት 3:26
ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
1ይ ጴጥሮስ 1:3
ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
ሮሜ 5:10
ንፅበ ኣለና። ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ቲቶ 2:13–14
“ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ከምቲ እቲ ዝፀውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን፥ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ።
1ይ ጴጥሮስ 1:15–16
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
ኤፌሶን 1:3
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ። ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ።
ቈላስይስ 2:9–10
ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና።
ዮሃንስ 1:16
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
ሮሜ 8:32
ካብ ሓዘን ዝተልዓለ ነፍሰይ ተታኸሰት፤ ብቓልካ ኣፅንዐኒ።
ዳዊት 119:28
ነቲ ንኣይ ንኣገልጋሊኻ ዘተስፈኻዮ ቓል ዘክር፤ ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ።
ዳዊት 119:49
ኦ እግዚኣብሄር፥ እጭነቕ ኣለኹሞ ዋልታ ኹነኒ።
ኢሳይያስ 38:14
ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።
ሉቃስ 21:33
ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኻትኩም ዝተዛረቦ ዅሉ ሰናይ ነገር፥ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘየጕደለ፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ ተፈፀመ እምበር፥ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ እንተይተፈፀመ ዝተረፈ የለን።
ኢያሱ 23:14
ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ በልኩዎ።
ዳንኤል 10:19
ኦ ዘሩባቤል ... ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሓጌ 2:4
ብሓይልን ብብርተዐን ኣይኮነን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ዘካርያስ 4:6
ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
ኤፌሶን 6:10
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ17 መጋ 2026
ዘሌዋውያን 1:4 · 1ይ ጴጥሮስ 1:18–19
16 መጋ 2026
ያእቆብ 4:14 · ኢዮብ 9:25–26
15 መጋ 2026
ዕብራውያን 2:10 · ማቴዎስ 26:38–39
14 መጋ 2026
ቲቶ 2:10 · ፊልጵስዩስ 1:27
13 መጋ 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5 · ዕብራውያን 2:14
12 መጋ 2026
ዘሑልቍ 6:25–26 · ዮሃንስ 1:18






