17 መጋ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 18 መጋቢት: ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምጥማት ደኸማ (ኢሳይያስ 38:14)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምጥማት ደኸማ።
ኢሳይያስ 38:14
ኦ ጐይታ፥ ድዉይ እየሞ፥ መሓረኒ፤ ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ። ነፍሰይውን የመና ተሃዊኻ እያ፤ ኦ ጐይታ፥ ንስኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ? ኦ ጐይታ፥ ተመለስሞ ንነፍሰይ ኣድሕና፤ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
ዳዊት 6:2–4
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወፀኒ፤ ድንጋፀ ሞትውን ወደቐኒ። ፍርሓትን ራዕድን መፁኒ፤ ፀልማትውን ሸፈነኒ። በሪረ ኽዓርፍስ፥ ከም ርግቢ ኽንፊ መን ምሃበኒ? እንሆ ዀብሊለ ምረሓቕኩ፤ ኣብ በረኻውን ምተቐመጥኩ ነይረ።
ዳዊት 55:4–6
ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን።
ዕብራውያን 10:36
ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥ “ኣቱም ሰብ ገሊላ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም፥ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪርኩም እናጠመትኩም፥ ደው ኢልኩም ዘለኹም? እዝ ኻባኻትኩም፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፥ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ እንተሎ ዝረአኹምዎ፥ ከምኡ ኢሉ ኸዓ ኽመፅእ እዩ” በልዎም።
ግብሪ ሃዋርያት 1:10–11
ንሕና ግና፥ ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ፤ ካብኡ ንዝመፅእ፥ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና።
ፊልጵስዩስ 3:20
ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና።
ቲቶ 2:13
ስሙውን ኣብ ግምባሮም ክኸውን እዩ።
ራእይ 22:4
ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣብ፥ ነኣይ ከም ዝፈልጠኒ፥ ኣነውን ንኣብ ከም ዝፈልጦ፥ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን።
ዮሃንስ 10:14
ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:19
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
ናሆም 1:7
“ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፥ ኣብ ገግምባሮም ማሕተም ክሳዕ እንገብረሎም፥ ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም፥ ኣይትጕድእዎም” በሎም።
ራእይ 7:3
ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም። ንኽብሩ ምስጋና ክኸውን፥ እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ዅሎም ክሳዕ ዘድሕኖም።
ኤፌሶን 1:13–14
እቲ ንኣና ምሳኻትኩም ብክርስቶስ ዘፅንዐናን፥ ዝቐብአናን እግዚኣብሄር እዩ። ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:21–22
ስም ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኻብ ኣምላኸይ፥ ካብ ሰማይ እትወርድ፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ነቲ ሓድሽ ስመይውን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽፅሕፍ እየ።’
ራእይ 3:12
መፀውዒ ስማ ድማ ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል ይኸውን።
ኤርሚያስ 33:16
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ16 መጋ 2026
ያእቆብ 4:14 · ኢዮብ 9:25–26
15 መጋ 2026
ዕብራውያን 2:10 · ማቴዎስ 26:38–39
14 መጋ 2026
ቲቶ 2:10 · ፊልጵስዩስ 1:27
13 መጋ 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5 · ዕብራውያን 2:14
12 መጋ 2026
ዘሑልቍ 6:25–26 · ዮሃንስ 1:18
11 መጋ 2026
ዘሑልቍ 6:24 · ምሳሌ 10:22






