8 እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ወሲኾም ነቶም ህዝቢ፦ ‘ፈራሕ ሰብ፥ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ? ኸምቲ ልቡ፥ ልቢ ኣሕዋቱ ኸዓ ኸየሸብርስ፥ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ይበልዎም።
1 ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ምድያማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። 2 ደቂ እስራኤል መግዛእቲ ምድያማውያን ስለ ዝበርትዖም፥ ኣብቲ ኣብ እምባታት ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን ኣብ እምባታትን መሕብኢ ገበሩ። 3 ደቂ እስራኤል ዘርኢ ምስ ዘርኡ፥ ምድያማውያን ምስ ኣማሌቃውያንን ምስቶም ደቂ ምብራቕን ኮይኖም ይመፅዎም ነበሩ። 4 ኣብኣቶም ሰፊሮም ከዓ ኽሳዕ እቲ ንጋዛ ዘእቱ፥ ፍረ እታ ምድሪ የጥፍኡ ነበሩ፤ ምግቢ ኾነ በጊዕ፥ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ኣብ እስራኤል ኣይሓድጉን ነበሩ። 5 ንሳቶም ምስ ከፍቶምን ድንኳናቶምን ይድይቡ ነበሩ፤ ምብዛሖምውን ከም ኣንበጣ ነበረ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቍፅሪ ዘይብሎም ነበሩ እሞ፥ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ይኣትዉ ነበሩ። 6 ህዝቢ እስራኤል ብምድያማውያን ብዙሕ ተሸገሩ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ጠርዑ።
7 ደቂ እስራኤል ብሰንኪ ምድያማውያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጠርዑ ኸዓ፥ 8 እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነቢይ ሰደደሎም። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣነ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብቲ ዝነበርኩምዎ ባርነት ኣናገፍኩኹም፥ 9 ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ገፋዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፤ ንኣኣቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐውን ምድሮም ሃብኩኹም። 10 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ሃገሮም ወሪስኩምዎም ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርሕዎም ኢለኩም ነይረ፤ ንስኻትኩም ግና ቓለይ ኣይሰማዕኹምን’ ” በሎም።
11 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መፂኡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ዖፍራ ዘላ ናይ ኢዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፥ ዓባይ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጌዴዎን ድማ ኻብ ምድያማውያን ክሓብእ፥ ስርናይ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። 12 ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተርኣዮ፤ “ኣታ ፅኑዕ ሓያል ሰብ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” በሎ። 13 ጌዴዎን ድማ “ኣየ ጐይታ! እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዝህሉስ እዝ ዅሉ ስለ ምንታይ ረኸበና? እቲ ኣቦታትና ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፂኡና’ እናበሉ ዝነገሩና ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፥ ናብ ኢድ ምድያማውያን እኳ እንሆ ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ” በሎ።
14 ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልፅ ኢሉ “እንሆ ኣነ እልእኸካ ኣለኹ፤ በቲ ዘለካ ሓይሊ ድማ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያማውያን ኣድሕኖም” በሎ።
15 ንሱ ድማ “ጐይታይ! እንሆ ዓሌተይ ካብ ነገድ ምናሴ እቲ ዝሓመቐ እዩ፤ ኣነውን ካብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ፤ ንእስራኤል ደኣ ኸመይ ገይረ ኸድሕኖም እኽእል?” በሎ።
16 እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፥ ንምድያማውያን ከም ንሓደ ሰብ ጌርካ ኽትስዕሮም ኢኻ” በሎ።
17 ጌዴዎን ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝኾንካ ምልክት ኣርእየኒ በሎ፤ 18 ናባኻ ተመሊሰ መስዋእተይ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካ፥ በይዛኻ፥ ካብዙይ ኣይትኺድ” በሎ። ንሱ ድማ “ክሳዕ እትምለስ፥ ክፀንሐካ እየ” በሎ።
19 ሽዑ ጌዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ሓሪዱ ኣዳለወ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ወሲዱውን ቅጫ ሰንከተ፤ ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፥ ነቲ መረቕውን ኣብ ቍራዕ ገበሮ። ኣምፂኡ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ዓባይ ኦም ኣቕረበሉ።
20 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዝ ኰዅሒ፥ እዙይ ኣንብሮ፤ ነቲ መረቕውን ኣብ ልዕሊኡ ኣፍስሶ” በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ። 21 ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ነኽኦ እሞ ኻብቲ ኰዅሒ ሓዊ ወፂኡ፥ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ኣዒንቱ ተሰወረ። 22 ሽዑ ጌዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። ጌዴዎን ከዓ ደንጊፁ፥ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ንመልኣኽካ ገፅ ንገፅ ሪአዮ እየሞ ወይለይ” በለ።
23 እግዚኣብሄር ድማ “ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ ኣይዞኻ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ።
24 ሽዑ ጌዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰላም እዩ” ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ።
25 በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረ ናይ ኣቦኻ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፥ ነቲ ኣቦኻ ንጣዖት በዓል ዝስውአሉ መሰውኢ ኣፍርሶ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ናይ ጣዖት ኣስታሮት ምስሊ ኸዓ ቝረፆ። 26 ኣብ ልዕሊ እዝ ዕርዲ እዙይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፤ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከዓ በቲ እትቘርፆ ዕንፀይቲ ናይ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ጌርካ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርብ” በሎ።
27 ሽዑ ጌዴዎን ካብ ኣገልገልቱ ዓሰርተ ሰባት ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ግና ብመዓልቲ ኸይገብሮ፥ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሐ፥ ብለይቲ ገበሮ።
28 ንፅባሒቱ ሰባት እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ እቲ መሰውኢ ጣዖት በዓል ፈሪሱ፥ እቲ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ኸዓ ተቘሪፁ፥ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ረኸብዎ።
29 ንስንሳቶም ድማ “እዝ ነገር እዙይ ዝገበረ መን እዩ?” ተበሃሃሉ።
ሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ “እዝ ነገር እዙይ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ ዝገበሮ” በሉ።
30 ናይታ ኸተማ ሰባት ንዮኣስ “ወድኻ መሰውኢ ጣዖት በዓል ኣፍሪሱ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ቘሪፁ እዩ እሞ፥ ክንቀትሎ ኣውፅኣዮ” በልዎ።
31 ኢዮኣስ ከዓ ነቶም ክቃወምዎ ዝተስኡ ዅሎም “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፥ ወይ ከዓ ኽተድሕንዎዶ ደሊኹም? እቲ ኽማጐተሉ ዝደሊ፥ ምድሪ እንተይወግሐት ይቀተል፤ ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” በሎም። 32 ስለዙይ ኢዮኣስ በታ መዓልቲ እቲኣ “በዓል፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” ኢሉ ንጌዴዎን “ይሩበዓል” ኢሉ ሰመዮ።
33 ሽዑ ዅሎም ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተኣከቡ፤ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ሰፈሩ። 34 መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጌዴዎን ወረደ። ንሱ መለኸት ነፊሑ ንኣቤዔዝራውያን ፀውዖም፤ ተኣኪቦም ከዓ ሰዓብዎ። 35 ናብ ኵሉ ነገድ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ከቲቶም ሰዓብዎ። ናብ ነገዳት ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ክቕበልዎም ወፁ።
36 ጌዴዎን ድማ ንእግዚኣብሄር “ንእስራኤል ብኢደይ ክተድሕኖም እንተ ዄንካ፥ 37 እንሆ እምበኣር፥ ኣነ ነዝ ቝሩፅ ፀምሪ እዙይ ኣብዝ ዓውዲ ኣንብሮ ኣለኹ። ኵላ ምድሪ ንቕፅቲ፥ ኣብዝ ፀምሪ እዙይ ጥራሕ ከዓ ኣውሊ እንተ ኾነ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝበልካዮ፥ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ” በሎ። 38 ከምኡ ድማ ኾነ። ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ነቲ ፀምሪ ፀሞቖ፤ ካብቲ ፀምሪ ኸዓ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውፅአ።
39 ጌዴዎን ድማ ንኣምላኽ “ሓደ ሻዕ ክዛረብ፥ ኣይትቈጥዐኒ፤ በቲ ፀምሪ ሓደሻዕ ክፍትን ፍቐደለይ። እምበኣርከስ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ይኹን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ድማ ኣውሊ ይኹን” በሎ። 40 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ኮነ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግና ኣውሊ ኾነ።
1 ንፅባሒቱ ድማ ይሩበዓል፥ ዝተብሃለ ጌዴዎንን፥ እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከዓ ሰፈሩ። ሰፈር ምድያም ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኰረብታ ሞሬ፥ ኣብቲ ጥቓ ለሰ ነበረ። 2 እግዚኣብሄር ከዓ ንጌዴዎን “ኣነ ንምድያም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ እንተ ኾነ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ህዝቢ እምብዛ ስለ ዝበዝሑ ‘ብሓይልና ኢና ዝደሓንና’ ኢሎም ክዕበዩ እዮም። 3 እምበኣር ሕዚ ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ፍርሓት ዝተልዓለ ዅሉ ራዕዲ ዝሓዞ ኻብ እምባ ገለዓድ ይመለስ’ ኢልካ ኣብ እዝኖም ኣውጀሎም” በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመለሱ፤ ዓሰርተ ሽሕ ከዓ ተረፉ።
4 እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “እዝ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፤ ናብ ማይ ኣውርዶም እሞ፥ ኣብኡ ኽፈትኖም እየ። እቲ ኣነ ‘እዙይ ምሳኻ ይኺድ’ ዝብለካ፥ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፥ እቲ ‘ምሳኻ ኣይኺድ’ ዝብለካ ዅሉ ኸዓ፥ ምሳኻ ኣይኺድ” በሎ።
5 ሽዑ ጌዴዎን ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ብመልሓሱ ማይ ዝሰቲ ንበይኑ ፍለዮ፤ ነቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ዝሰቲውን ከምኡ ንበይኑ ፍለዮ” በሎ። 6 ኵሎም እቶም ብኢዶም ሓፊኖም ማይ ዝሰተዩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ኮኑ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ማይ ክሰትዩ፥ ብብርኮም ተምበርከኹ።
7 እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “በዞም ብኢዶም ሓፊኖም ዝሰተዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ከድሕነኩም እየ፤ ንምድያማውያን ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ነፍሲ ወከፍ ነናብ ዓዱ ይመለስ” በሎ። 8 ሽዑ ጌዴዎን ነቶም ስንቅን መለኸትን ዝወሰዱ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ወሲዱ፥ ነቶም ዝተረፉ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም።
ሰፈር ምድያማውያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ። 9 በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “ንምድያም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ተሲእኻ ናብቲ ሰፈሮም ውረድ። 10 ንበይንኻ ምውራድ እንተ ፈሪሕኻ ግና ምስ ፉራ ሓሽከርካ ዄንካ ናብቲ ሰፈር ውረድ። 11 እቲ ዝዛረብዎ ስማዕ፤ ብድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኢድካ ኽትተብዕ እያ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ምስ ሓሽከሩ ፉራ፥ ናብ ጥቓ እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ። 12 ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ብዝሖም ከም ኣንበጣ ዝኾኑ ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከዓ ኽቝፀራ ዘይኽእላ፥ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑፃ ብዙሓት ነበራ።
13 ጌዴዎን ምስ መፀ፥ እንሆ ሓደ ሰብ ንብፃዩ ኸምዙይ እናበለ ሕልሙ ይነግሮ ነበረ፦ “ሕልሚ ሓሊመ፥ እንሆ ኸዓ፥ ሓንቲ ጠረሾ ስገም ናብ ሰፈር ምድያም እናንከራረወት መፂኣ ነቲ ድንኳን ወቕዐት፤ እቲ ድንኳን ድማ ንላዕሊ ኣቢሉ ተገልቢጡ ወደቐ።”
14 እቲ ብፃዩ ድማ “እዙይ ሰይፊ ናይቲ እስራኤላዊ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ፤ ካልእ ኣይኮነን፤ ኣምላኽ ንምድያምን ንዅሉ ሰፈሮምን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ” በሎ።
15 ጌዴዎን፥ እዝ ሕልሚ እዙይን ትርጕሙን ምስ ሰምዐ፥ ሰገደ። ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ “እግዚኣብሄር ንሰፈር ምድያም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ ተስኡ” በሎም። 16 ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ድማ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም፤ ኣብ ኢድ ኵሎም ከዓ መለኸትን ጥራሑ ሳርማን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳርማታትውን ሽግ ሃቦም።
17 ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንኣይ ረአዩ፤ ኣነ ዝገብሮ ኸዓ ግበሩ። እንሆ፥ ከዓ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈሮም ምስ በፃሕኹ፥ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። 18 ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኮይነ መለኸት ምስ ነፋሕኹ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ኵሉ ዙርያ እቲ ሰፈር መለኸታትኩም ንፍሑ ‘ንእግዚኣብሄርን ንጌዴዎንንውን’ በሉ” በሎም።
19 ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፥ ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ ሽዑ ንሽዑ ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰባትን፥ ናብቲ ጥቓ ሰፈር በፅሑ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ሳርማታትውን ሰበርዎ። 20 እቶም ዝተረፉ ኽልተ ኽፍልታት ድማ መለኸቶም ነፍሑ፤ ነቲ ሳርማታትውን ሰበርዎ፤ ኵሎም ከዓ ብፀጋማይ ኢዶም መብራህቲ ሓዙ፤ ምእንቲ ኽነፍሑ፥ ከዓ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ሓዙ፤ ዓው ኢሎም ድማ “እዙይ ኲናት እግዚኣብሄርን ጌዴዎንን እዩ” በሉ። 21 ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስፍራኦም ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ደው በሉ። ሽዑ ዅሎም እቶም ሰራዊት ምድያም እናእወዩ ሃደሙ።
22 እቶም ሰለስተ ሚእቲ ድማ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ሰራዊት ምድያም ንስንሳቶም ብሰይፊ ኸም ዝቃተሉ ገበሮም። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ፀረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤትሺጣ፥ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል መሖላ ዘላ ጣባት ሃደመ። 23 ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተኣኪቦም ንምድያማውያን ደድሕሪኣቶም ስዒቦም ኣሳጐጕዎም። 24 ጌዴዎን ድማ “ንምድያም ክትዋግእዎም ውረዱ፤ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ድማ ሓዝዎ” ኢሉ ናብ ኵሉ ዀረብታታት ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ።
ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ። 25 ንኽልቲኦም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ድማ ማረኽዎም እሞ፥ ንሔሬብ ኣብ ኰዅሒ ሔሬብ ቀተልዎ። ንዜብውን ኣብ መፅመቝ ወይኒ ዜብ ቀተልዎ፤ ንምድያማውያን እውን ኣሳጐጕዎም። ንርእሲ ሔሬብን ዜብን ግና ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ጌዴዎን ኣምፅእዎ።
14 ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤
ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።
ዘዳግም 20:8 · መሳፍንት 6–7 · ዳዊት 103:14 · ትመ15
ኣምላኽ ንዓናን ንጥቕምናን ዘለዎ ምስትውዓል ክንርኢ ክንደይ ዘደንቕ እዩ። ኣምላኽ ጭንቀትናን ፍርሃትናን ይፈልጥ እሞ ኣብኡ ክንእመን የረጋግጸና። ብዙሕ ግዜ «ኣይትፍራህ» ይብለና። ሓደ ሰብ ሓደ ግዜ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 365 ግዜ: ማለት ንሓደ ዓመት ሓደ መዓልቲ: ከም ዝደጋገም ነጊሩኒ። ከምኡ እኳ እንተ ኾነ: ኣምላኽ ከም እንፈርህ ይፈልጥ እሞ ንዓና ምድላው ይገብር። እዚ ኣብ ትምህርቱ ንእስራኤል ብዛዕባ ውግእ ንርእዮ። እቶም ዝመጽእ ዘሎ ውግእ ዝፈርሑ ክዋግኡ ኣይነበሮምን (ዘዳ. 20:8)። ኣምላኽ ምስ ጌዴዎን ዘርኣዮ ትዕግስቲ ንርኢ: ሕቶኡ ብዛዕባ እቲ ጸምሪ ክልተ ግዜ መለሰሉ: ድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ ሕልሚ ሓደ ጸላኢ ወተሃደር ዘደንቕ መግለጺ ሃቦ (መሳ. 6–7)።
ኣምላኽ ምስና ዘለዎ ምምሕዳር: ምስና ዘለዎ ትዕግስቲ: ንድኻምና ዘለዎ ምስትውዓል ክንርኢ ክንደይ ዘደንቕ እዩ። ግናኸ ንሕና እውን ንሓውና ወይ ንሓብትና ፍርሃቶም ወይ ድኻሞም ክገልጹ ወይ ከርእዩ ከለዉ ነቲ ሓደ ምስትውዓል: ምሕረት: ከምኡ ድማ ክንክን ኣለናዶ?
ጳውሎስ «ምግቢ ንሓወይ እንተ ኣዕንቕሎ: ድሕሪ ሕጂ ስጋ ኣይበልዕን» (1 ቈረ. 8:13) በለ። ኣብ ሮሜ 15:1–3 ድማ «ንድኻም ድኹማት ክንጸውር: ንገዛእ ርእስና ድማ ከየሐጐስና» ተባሂልና ኣለና። «ነፍሲ ወከፍና ንብጻዩ ንጽቡቑ: ንምህናጽ ይሕጐስ።» ከምኡ ድማ «እተን ዝወረዳ ኣእዳው: ከምኡ ድማ እተን ዝደኸማ ኣጕልባብ ኣበርትዑ» (እብ. 12:12)። ኵላትና ሓደ መጠን እምነት የብልናን: ግናኸ እቲ እምነት ዘለዎ: ካብ ጐይታ ዝተቐበሎ መጠን ብምፍላጥ: ከምኡ ይግበር። ምስዚ ድማ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ክኸውን ኣለዎ: «ብትሕትና ልቢ ነፍሲ ወከፍ ንኻልኦት ካብ ገዛእ ርእሱ ዝበለጹ ይቘጽር … እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ: ኣብ ኣባኻትኩም እውን ይኹን» (ፊል. 2:3–5)።