29 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 30 ጥቅምቲ: እግዚኣብሄር ንይቕረታኡዶ ረሲዕዎ እዩ? (ዳዊት 77:9)
ዕለታዊ ብርሃን
ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
ሰቆቃወ 3:26
እግዚኣብሄር ንይቕረታኡዶ ረሲዕዎ እዩ? ንምሕረቱኸ ብቝጥዓኡዶ ዓፅይዎ እዩ?
ዳዊት 77:9
ኣነስ ብድንጋፀ “ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ተደርበኹ” በልኩ፤ ናባኻ ምስ ኣእዌኹ ግና ንቓል ልመናይ ሰማዕኻኒ።
ዳዊት 31:22
እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም? ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ።
ሉቃስ 18:7–8
ንእግዚኣብሄር ተፀበዮ፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነካ እዩ።
ምሳሌ 20:22
ንእግዚኣብሄር ተገዛእ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤ መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ።
ዳዊት 37:7
ኣብዝ ውግእ እዙይ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዋግኡ፤ ጥራሕ ቦታኹም ሒዝኩም ቁሙ፤ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ምድሓን ከዓ ኽትሪኡ ኢኹም።
2ይ ዜና 20:17
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
ገላትያ 6:9
ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይፅበዮ፤ ነቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን ዝናብ ክሳዕ ዝረክብውን፥ ከም ዝዕገስ ረአዩ።
ያእቆብ 5:7
ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፥ ነታኽልቲ ወይንና ዘበላሽዋ ወኻሩት፥ ነተን ኣናእሽተይ ወኻሩት፥ ኣፃዊድኩም ሓዙልና።
መሃልየ 2:15
ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ? ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።
ዳዊት 19:12
ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
ዕብራውያን 12:15
ቅድም ፅቡቕ ትጐዩ ኔርኩም፤ ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ኣዐንቀፈኩም?
ገላትያ 5:7
ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ። ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ።
ፊልጵስዩስ 1:6, 27
ልሳን ንእሽተይ ኣካል እንተላ፥ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽተይ ሓዊ፥ ክንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተባርዕ! ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም ድማ እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ኽፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃፅል እያ። ባዕላውን ኣብ ገሃነም ክትቃፀል እያ። ንልሳን ግና፥ ካብ ደቂ ሰብ ክገዝኣ ዝኽእል ሓደኳ የለን። ንሳ ዘይትዓርፍ ክፍእቲ፥ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።
ያእቆብ 3:5–6, 8
ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኻትኩም።
ቈላስይስ 4:6
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ28 ጥቅ 2026
ኢሳይያስ 59:16 · ዳዊት 40:6–8
27 ጥቅ 2026
ማቴዎስ 8:17 · ዘሌዋውያን 14:4–7
26 ጥቅ 2026
ዳዊት 99:1 · ኤርሚያስ 5:22
25 ጥቅ 2026
ማቴዎስ 28:20 · ዮሃንስ 14:21–23
24 ጥቅ 2026
ዮናስ 2:4 · ኢሳይያስ 49:14–15
23 ጥቅ 2026
ሉቃስ 12:15 · ዳዊት 37:16






