ዕለታዊ ብርሃን, 27 ጥቅምቲ: ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውፅአ፤ ንዅሎም ሕማም ዘለዎም ድማ ኣሕወዮም።

ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዝነፅህ ሰብ፥ ብህይወተን ዘለዋ ኽልተ ንፁሃት ኣዕዋፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከምፅኡ ይኣዝዝ። ከምኡ ኸዓ እቲ ኻህን ካብተን ኣዕዋፍ ሓዲአን ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ገይሮም ክሓርድዋ ይኣዝዝ። ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ነቲ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ ዝተሓርደት ዒፍ የጥልቆ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ሕማም ለምፂ ዝነፅህ ሰብ ከዓ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ እሞ፥ ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ።

እንሆ ዅሉ ሰብነቱ ለምፂ ዝሓዞ፥ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፀ፤ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ብግምባሩ ተደፊኡ፥ “ኦ ጐይታ! እንተ ፈቒድካስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ።

ኢየሱስ ከዓ ራህርሀሉ፤ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ዳህሰሶ፤ “ፍቓደይ እዩ ንፃህ!” በሎ። እዙይ ምስ በሎ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ለምፁ ነፅሀ።

ስለዙይ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ” በሎ።

“ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ።

ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ። የዋሃን ብፁኣን እዮም፤ ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም እሞ። ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ። ዝምሕሩ ብፁኣን እዮም፤ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ። ንፁሃት ልቢ ብፁኣን እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ክሪእዎ እዮም እሞ። ገበርቲ ሰላም ብፁኣን እዮም፤ ውሉድ እግዚኣብሄር ክበሃሉ እዮም እሞ። ምእንቲ ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ። ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፥ እንተ ኣሳጐጕኹምን፥ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም። ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጎምዎም እዮም እሞ፥ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝኾነ ተሓጐሱ።

እቶም ንቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን እዮም” በላ።

“ናብታ ኦም ህይወት ንምብፃሕ፥ ስልጣን ምእንቲ ኽረኽቡን፥ ናብታ ኸተማ፥ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን፥ እቶም ክዳውንቶም ዝሓፅቡ፥ ብፁኣን እዮም።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ