25 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 26 ጥቅምቲ: ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? (ኤርሚያስ 5:22)
ዕለታዊ ብርሃን
እግዚኣብሄር ነገሰ።
ዳዊት 99:1
ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።
ኤርሚያስ 5:22
ክብሪ ኻብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፥ ወይ ካብ ምድረ በዳ ኣይመፅእንሞ። እግዚኣብሄር ፈራዲ እዩሞ፤ ነዙይ የዋርድ፤ ነቱይ ከዓ የኽብር።
ዳዊት 75:6–7
ንሱ ንዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፤ ንነገስታት ይስዕር፤ ንነገስታት ከዓ ይሸይም። ነቶም ጠቢባን ጥበብ፥ ነቶም መስተውዓልቲ ኸዓ ፍልጠት ይህቦም።
ዳንኤል 2:21
ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ።
ማቴዎስ 24:6
እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
ሮሜ 8:31
ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም ይሽየጣ ኣይኮናን? ሓንቲ እኳ ኻብኣተን፥ ብዘይ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። ንስኻትኩም ግና፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝፁራት እየን። እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ፥ እምብዛ ትበልፁ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሑ።
ማቴዎስ 10:29–31
እግዚኣብሄር ናይ ህይወት መንፈስ፥ ሓደ ገይሩዶ ሓልዩልና ኣይኮነን? ንሱ ዝደልዮ እንታይ እዩ? ቅዱስ ዘርኢዶ ኣይኮነን? እምበኣርከስ መንፈስኩም ሓልዉ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣየታልል።
ሚልክያስ 2:15
ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውፅእ እንተሎ ርኢናዮስ፥ ምሳና ስለ ዘይተኸተለካ ኸልኪልናዮ” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “እንተ ደኣ ዘይቃወመኩም ኮይኑ፥ ወገንኩም እዩ እሞ ኣይትኸልክልዎ” በሎም። ... ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና ኢኻ?” በልዎ። ኢየሱስ ምልስ ኢሉ፦ “ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም።
ሉቃስ 9:49–50, 54–55
ኤልዳድን ሞዳድን ኣብ ሰፈር ኮይኖም ይንበዩ ኣለዉ” ኢሉ ንሙሴ ነገሮ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኸዓ፥ “ጐይታይ ሙሴ፥ ከልክሎም” ኢሉ ተዛረበ። ሙሴ ግና “ንኣይ ዲኻ ቐኒእኻ? እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እንተ ዘንብር፥ ኵሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከዓ ነቢያት እንተ ዝኾኑሞ መን ምሃበ በሎ።
ዘሑልቍ 11:27–29
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥ ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ።
ገላትያ 5:22–23
እቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ነቲ ስጋ ምስ ክፉእ ፍትወቱን ድልየቱን፥ ሰቒሎምዎ እዮም። ብመንፈስ እንነብር እንተ ደኣ ዄንና፥ ብመንፈስ ንመራሕ። ንስንሳትና እናተነቓቐፍናን እናተቐናናእናን፥ ብኸንቱ ኣይንመካሕ።
ገላትያ 5:24–26
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ24 ጥቅ 2026
ዮናስ 2:4 · ኢሳይያስ 49:14–15
23 ጥቅ 2026
ሉቃስ 12:15 · ዳዊት 37:16
22 ጥቅ 2026
ዳዊት 108:1 · ዳዊት 27:1
21 ጥቅ 2026
ዮሃንስ 1:16 · ማቴዎስ 17:5
20 ጥቅ 2026
ሮሜ 7:22 · ዳዊት 119:97
19 ጥቅ 2026
ምሳሌ 3:26 · ዳዊት 76:10






