ኣነ ቈልዓ ከለኹ፡ ኣብ ስኮትላንዳዊ ሰራሒ ጫማታት፡ ዳን ማካይ ዝስሙ፡ ሓቀኛ ክርስትያን ሰብኣይ እሰርሕ ነበርኩ። ዕዮይ ንስርናፍ ጫማታት ቈርበት ምድቋስ ነበረ። ሓደ ቘርበት ላም ብመጠኑ ተቘሪጹ፡ ድሕሪኡ ብማይ ይነከር። ኣብ ልዕሊ ኣጕልባተይ ሓደ ሓጺን ነበረኒ፡ ብሓደ መዶሻ ድማ ነዘን ስርናፋት እዚኤን ክሳዕ ዝደልድላን ዝነቕፋን እድቅሰን ነበርኩ። እዚ ዘይውዳእ ስራሕ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ይደኽመኒ ነበረ።
እቲ ዕዮይ ዝኸፍአ ዝገበሮ ድማ፡ ሓደ ብሎክ ርሕቕ ኢሉ፡ ካልእ ድኳን ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ ድማ ሓደ ባህታ ዘለዎ፡ ዘይኣማኒ ሰራሒ ጫማታት፡ ንጐረባብቲ ብርኹስ ዛንታታት የዘናግዕ ነበረ፡ እዚ ድማ ብኽቡራት ወለዲ ፍርሂ የሕድር ነበረ። ይኹን እምበር፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ፡ ዝሰርሕ ይመስል ነበረ። ንሱ ንስርናፋት ፈጺሙ ከም ዘይድቅሶም፡ የግዳስ ካብ ማይ ወሲዱ ከም ዝሰቕሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ችንካር ክሰቕል ከሎ ድማ ማይ ከም ዝንጠብጥብ ይርኢ ነበርኩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ውሽጢ ኣተኹ። ብፍርሂ ድማ፡ “ንስርናፋት እናረሰዩ ከለዉ ከም እትሰቕሎም እፈልጥ። ከም ዝደቕስዎ ጽቡቓት ድዮም?” በልኩ። ንሱ ድማ ብኽፉእ ገጽ እናረኣየኒ፡ “በዚ መገዲ እዚ፡ ብዝያዳ ይምለሱ፡ ወዲ!” ኢሉ መለሰለይ።
ሓደ ነገር ከም ዝመሃርኩ እናተሰማዓኒ፡ ነቲ ፍጻመ ንሓለቓይ ነገርኩዎ። ኣቶ ማካይ ስራሑ ደው ኣቢሉ፡ መጽሓፍ ቅዱሱ ከፊቱ፡ “ዝገበርኩምዎ ዘበለ፡ ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበሩ” ዝብል ጽሑፍ ኣንበበ። “ሃሪ” በለ፡ “ኣነ ጫማታት ዝሰርሕ ዘለኹ፡ ንገንዘብ ደምበኛታተይ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ እየ ዝገብሮ ዘለኹ። ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፡ ኩሉ ዝጠገንክዎ ጫማታት ብሓደ ዓቢ ቘጽሪ ክርእዮ እጽበ፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሔር፡ ‘ዳን፡ እዚ ሕማቕ ስራሕ እዩ’ ክብለኒ ኣይደልን። ‘ጽቡቕ ገበርካ፡ ጽቡቕን እሙንን ባርያ’ ክብለኒ እደሊ።” ቀጺሉ ድማ፡ ከምቲ ገሊኦም ሰባት ንምስባኽ ዝጽውዑ፡ ንሱ ድማ ጫማታት ንምጥጋን ከም ዝተጸውዐ፡ እዚ ድማ ጽቡቕ ገይሩ እንተ ዘይገበሮ፡ ምስክርነቱ ንኣምላኽ ከም ዘይቘጽር ገለጸ (ምስ. ቈሎሴ 3:23–25)።


