ሄኖክ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ እሞ ንኣምላኽ ኣሐጐሰ። ኣይሞተን፡ ከመይሲ ኣምላኽ ቅድሚ ሞት ወዱ ሜቱሳላ ዚመጽእ ፍርዲ ኸም ዚወስዶ እምነት ነበሮ። ብተወሳኺ፡ ኣሞጽ ጸኒሑ ኸም ዚገልጾ፡ “ጐይታ ኣምላኽ ንምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት እንተ ዘይገለጸሎም፡ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” (ኣሞጽ 3፡7)። ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ድማ ሄኖክ ትንቢት ከም ዝነገረ—ሓሳብ ኣምላኽ ከም ዝገለጸ—ንረክብ። ብምስ ኣምላኽ ምምልላስ ዝተማህሮ ንኻልኦት ኣመሓላለፎ። ትንቢቱ ብዛዕባ ዚመጽእ ፍጻሜ ምግላጽ ጥራይ ኣይነበረን፡ ንዅሎም ሽዑ ዝነበሩ ኺሰምዑዎ መጠንቀቕታ ነበረ።
ሄኖክ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓመት ሞት ሜቱሳላ፡ ወዲ 969 ዓመት፡ ዝመጸ ማይ ኣይሂ የጠንቅቕ ከም ዝነበረ ብሓፈሻ ይምሃር። ኣምላኽ ክሳዕ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ኣብ መዝገብ ዝሞተሉ ግዜ ኽሳዕ ዝጸበየ፡ ቅድሚ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ማይ ኣይሂ ምልኣኹስ ክንደይ ርሕሩሕን ዓቃልን እዩ! ግናኸ ኣምላኽ ፍጹም ጻድቕ እውን እዩ። ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ፡ ግናኸ ቓሉ ኩሉ ግዜ ይሕሉ እዩ። ስለዚ ፍርዲ ብዘይጥርጥር መጸ።
ትንቢት ሄኖክ ገና ንናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ይጽበ ኣሎ። ጐይታ ገና “ምስ ኣሽሓት ቅዱሳኑ” ንፍርዲ ኣይመጸን። ራእይ 19፡11–21 ኣብ መወዳእታ እቲ ዓብዪ መከራ ምስ ሰራዊት ሰማይ ከም ዚመጽእ የርኢ፡ “እቲ ኣራዊትን ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን፡ ምስኡ ኺዋግኡ ተኣኪቦም ነበሩ።” ካልኦት ቅዱስ ጽሑፋት ድማ ተወሳኺ ዝርዝራት ይውስኹ። ከምቲ ሄኖክ ዝተነበየ፡ ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ጻድቕ ፍርዲ ኺፍጽም እዩ። ንሕና ቓል ኣምላኽ እንፈልጥ፡ “ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኽትሃድሙ” (ሉቃ. 3፡7) ብምባል ንረሲኣን ብኽብሪ እናጠንቀቕና፡ ወንጌል ምድሓን ክንሰብኽ ንኽእል!

