1 ሕጊ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ሰናይ ነገር ፅላሎት እምበር፥ ንሱ ባዕሉ ኣይኮነን። በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ፥ እቲ በብዓመት ኵልሻዕ ዝቐርብ መስዋእትታት፥ ነቶም ዘቕርብዎ ኸቶ ፍፁማት ክገብሮም ኣይኽእልን። 2 እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ፥ ነፂሆም እንተ ዝኾኑ፥ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ሕሊናኦም ኣይምወቐሶምን ነይሩ፤ መስዋእቲ ኻብ ምቕራብውን መዕረፉ ነይሮም። 3 እንተ ኾነ፥ እቲ በብዓመት ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ሓጢኣት ከም ዘሎ ዘዘክር እዩ። 4 ደም ዝራብዓትን ኣጣልን፥ ሓጢኣት ከርሕቕ ኣይኽእልን እዩ እሞ።
5 ስለዙይ ክርስቶስ ናብ ዓለም ክመፅእ እንተሎ ኸምዙይ በለ፦
“መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን፤
እንተ ኾነ ስጋ ኣዳሎኻለይ።
6 ብዝቃፀል መስዋእትን፥
በቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን፥ ደስ ኣይበለካን።
7 ሽዑ ኸዓ ኣነ፥ ‘ኦ ኣምላኸይ፥
ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ብዛዕባይ ተፅሒፉ ዘሎ፥
እንሆ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ’ በልኩ።”
8 ኣቐዲሙ ሕጊ ዝእዝዝ እንተ ኾነ እኳ፥ “መስዋእትን መባእን፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ኣይደለኻን፤ ብእኡውን ደስ ኣይበለካን” ይብል። 9 ኣስዒቡ ኸዓ “እንሆ ኣምላኸይ፥ ፍቓድካ ኽፍፅም መፂአ ኣለኹ” ይብል። ነታ ዳሕረወይቲ ምእንቲ ኸፅንዕ፥ ነታ ቐዳመይቲ ሰዓራ። 10 በዝ ፈቓድ እዙይ፥ በቲ ሓንሳዕ ንሓዋሩ ዝኣክል፥ እተሰውአ መስዋእቲ ስጋ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ተቐዲስና ኣለና።
11 ኵሉ ካህን ዝኾነ፥ በብመዓልቱ ኣገልግሎቱ ይፍፅም፤ ነቲ ፈፂሙ ሓጢኣት ከርሕቕ ዘይኽእል መስዋእቲ ድማ፥ መላሊሱ የቕርብ። 12 ክርስቶስ ግና፥ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኸውን መስዋእቲ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐመጠ። 13 ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ፥ እቶም ፀላእቱ፥ መርገፂ እግሩ ኽሳዕ ዝኾኑ ይፅበ ኣሎ። 14 እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ፥ ብሓደ መስዋእቲ፥ ንዘለኣለም ፍፁማን ገይሩዎም እዩሞ።
15 መንፈስ ቅዱስውን ስለዙይ ይምስክረልና ኣሎ፦
16 “ብድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥
ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፤
ይብል እግዚኣብሄር፤
ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከንብር እየ፤
ኣብ ኣእምሮኣቶምውን ክፅሕፎ እየ።”
17 ኣስዒቡ ኸዓ “ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመፃኦምን፥ ከቶ ኣይዝክርን እየ” ይብል። 18 እምበኣር ብኸምዙይ ሓጢኣት ዝሕደግ ካብ ኮነ፥ ካብ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣየድልን እዩ።
19 ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ብደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ንምእታው፥ መተኣማመኒ ረኺብና ኢና። 20 እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና። 21 ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓብዪ ካህን ስለዘለና፥ 22 ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ። 23 እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፥ ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ። 24 ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን፥ ንስንሳትና ኽንነቓቓሕ ንፅዓር። 25 ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ገይሮምዎ ዘለዉ፥ ብሓባር ምእካብ ኣይንሕደግ፤ እኳ ደኣ ኸምቲ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እታ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ትቐርብ ምህላዋ እናዘከርና፥ ንስንሳትና ብዝበለፀ ንመዓዓድ።
26 ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጥናዮ፥ ኮነ ኢልና ሓጢኣት እንተ ገበርና፥ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ የለን፤ 27 ክንድኡ ግና፥ ዘፍርሕ ፍርድን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፃረሩ ዘንድድ ብርቱዕ ሓዊን ኢና ብራዕዲ እንፅበ። 28 ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብኽልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር፥ ብዘይ ምሕረት ይቕተል ነበረ። 29 ንወዲ እግዚኣብሄር ዝረገፀ፥ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ድማ ዘርከሰ፥ ነቲ ፀጋ ዝህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግዳ፥ ክንደይ ዝገደደ ቕፅዓት ዝግብኦ ይመስለኩም! 30 ንሕና ነቲ፥
“ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፤
ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ”
ደጊሙ ኸዓ፥
“እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶ እዩ”
ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢናሞ። 31 ኣብ ኢድ እቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ምውዳቕ፥ የመና ዘፍርሕ እዩ።
32 ብርሃን ምስ በርሀልኩም ተዓጊስኩም መከራ ንዝተቐበልኩምለን፥ ነተን ቀዳሞት መዓልቲታት ዘክርወን። 33 ብሓደ ወገን፥ ፀርፍን ውርደትን ተቐበልኩም፤ ብሓደ ወገን ከዓ፥ ምስቶም ከምዙይ ዝመሰለ ዝበፅሖም ሰባት ተኻፈልቲ ኾንኩም። 34 ዝሐሸን ንዘለኣለም ዝነብርን ሃብቲ፥ ኣብ ሰማይ ከም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ነቶም እሱራት ራህራህኹምሎም፤ ንብረትኩም እንትውረርውን ብሓጐስ ተቐበልኩምዎ። 35 እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ። 36 ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ። 37 “ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥
እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤
ኣይድንጕን ከዓ እዩ፤
38 ፃድቕ ግና፥
ብእምነት እዩ ዝነብር፤
ንድሕሪት እንተ ተመለሰ ግና፥
ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ።
39 ንሕና ግና ምስቶም ንድሕሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ፥ ምስቶም ብእምነት ዝድሕኑ ኢና።
1 እምነት፥ ነቲ ብተስፋ እንፅበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግፅ፥ ነቲ ዘይረአ ነገር ከዓ፥ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። 2 ነቶም ዓበይቲ እውን፥ በዙይ እዩ ዝተመስከረሎምሞ።
3 ኵሉ ዓለማት ብቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተፈጥረ፥ እቲ ዝረአ ድማ፥ ካብ ዘይረአ ኸም ዝተፈጥረ፥ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ።
4 ኣቤል፥ ካብ መስዋእቲ ቃየል ዝበልፅ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ብእምነት ኣቕረበ። እግዚኣብሄር፥ ንመስዋእቱ ብፅቡቕ ስለ ዝተቐበሎ ኸዓ፥ ፃድቕ ሰብ ከም ዝኾነ መስከረሉ። ሞይቱ እንተሎውን፥ ገና ብእምነቱ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ።
5 ሄኖክ ምእንቲ ኸይመውት፥ ብእምነት ንላዕሊ ተወሰደ፤ እግዚኣብሄር ናብ ሰማይ ስለ ዝወሰዶ ኸዓ ኣይተረኽበን። ቅድሚ ምውሳዱ፥ ብእኡ ኸም ዝተሓጐሰ እግዚኣብሄር መስኪሩሉ እዩ እሞ። 6 ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ።
7 ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።
8 ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ። 9-10 ነታ እግዚኣብሄር ዝሓናፂኣን ዝሰራሒኣን፥ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይፅበ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ፥ ከም ጓና ኾይኑ ተቐመጠ፤ ምስቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያእቆብን ከዓ፥ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።
11 ሳራውን ጊዜኣ እኳ ሓሊፉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ተስፋ ሂብዋ ዝነበረ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነት፥ ክትጠንስ ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። 12 ስለዙይውን ካብቲ ኸም ምዉት ተቘፂሩ ዝነበረ ኣብርሃም፥ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ብዙሓትን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ፥ ክቝፀሩ ዘይኽእሉን ተወለዱ።
13 እዚኣቶም ኵላቶም ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ሞቱ። ነታ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎምውን ኣይረኸብዋን፤ ግና ብርሑቕ ሪኦም ተሳለምዋ፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም፥ ቅቡል ገይሮምዎውን ሓለፉ። 14 እዞም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ንኣኣቶም እትኸውን ሃገር ይፅበዩ ኸም ዘለዉ የርእዩ ኣለዉ። 15 ነታ ሓዲጎምዋ ዝወፁ ሃገር ይሓስቡ ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ክምለሱ ምኸኣሉ ነይሮም። 16 ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለፀት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። እግዚኣብሄር ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ፥ ኣምላኾም ተብሂሉ ኽፅዋዕ ኣየሕፍሮን እዩ።
17-18 ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፥ ንይስሓቅ ብእምነት ክስውኦ ኣቕረቦ። ተስፋ ተቐቢሉ እንተ ነበረ እኳ፥ ከምኡውን “ብይስሓቅ ዘርኢ ኽፅውዐልካ እዩ” ተብሂሉ እንተ ነበረ፥ ነቲ ሓደ ወዱ ወፈዮ። 19 ኣብርሃም፥ እግዚኣብሄር ካብ ምዉታን ከተስኦ ኸም ዝኽእል ብምእማኑ፥ ካብ ሞት ከም ዝተስአ ኾይኑ፥ ንይስሓቅ መሊሱ ረኸቦ።
20 ይስሓቅ፥ ንያእቆብን ንኤሳውን፥ ብዛዕባ እቲ ንቕድሚት ክመፅእ ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብእምነት ባረኾም።
21 ያእቆብ ጊዜ ሞቱ ምስ ቀረበ፥ ብእምነት ንደቂ ዮሴፍ፥ ንነፍሲ ወከፎም ባረኾም፤ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
22 ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፥ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸም ዝወፁ፥ ብእምነት ኣዘከረ፤ ብዛዕባ ኣዕፅምቱውን ትእዛዝ ሃበ።
23 ሙሴ ምስ ተወለደ፥ ወለዱ ፅቡቕ ህፃን ምዃኑ ሪኦም፥ ኣዋጅ እቲ ንጉስ እንተይፈርሑ፥ ብእምነት ንሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ። 24 ሙሴ ምስ ዓበየ፥ ወዲ ጓል ፈርዖን ከይበሃል፥ ብእምነት ኣበየ። 25 ብሓጢኣት ካብ ዝርከብ ጊዜያዊ ደስታ፥ ምስ ህዝቢ እግዚኣብሄር መከራ ኽቕበልውን መረፀ። 26 ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል፥ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘፀሮ።
27 ነቲ ዘይረአ ስለ ዝረአየ ፀንዐ፤ ንቝጥዓ ንጉስ እንተይፈርሐ ድማ፥ ብእምነት ንግብፂ ሓደጋ። 28 እቲ በዅሪ ዝቐስፍ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቐርቦም፥ ብእምነት ስርዓት ፋሲካን ምንፃግ ደምን ገበረ።
29 ደቂ እስራኤል፥ ንባሕሪ ኤርትራ ኸም ንቑፅ ምድሪ፥ ብእምነት ተሳገርዋ፤ ግብፃውያን ግና፥ ከምኡ ኽገብሩ ምስ ፈተኑ ተውሒጦም ተረፉ።
30 ቅፅሪ ኢያሪኮ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፥ ብእምነት ፈረሰ። 31 ረኣብ እታ ኣመንዝራ፥ ብእምነት ነቶም ሰለልቲ ብሰላም ስለ ዝተቐበለቶም፥ ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።
32 እንታይ እሞ ኽብል እየ? ብዛዕባ እኒ ጌዴዎን፥ እኒ ባርቅ፥ እኒ ሶምሶን፥ እኒ ዮፍታሔ፥ እኒ ዳዊት፥ እኒ ሳሙኤል፥ ከምኡውን ብዛዕባ ነቢያት ከይትርኸልኩም ጊዜ የብለይን። 33 ንሳቶም ብእምነት ንመንግስታት ሰዓሩ፤ ብቕንዕና መርሑ፤ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎም ረኸቡ፤ ኣፍ ኣናብስ ዓፀዉ፤ 34 ሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፤ ካብ ስሕለት ሰይፊ ደሓኑ፤ ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ፤ 35 ኣንስቲ፥ ምዉታተን ካብ ሞት ተሲኦምለን ተቐበላኦም፤ ካልኦት ግና ዝበለፀ ትንሳኤ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ምሕረት እንተይተቐበሉ ተሳቕዮም ሞቱ። 36 ገሊኣቶም ድማ ብላግፅን ብመግረፍትን፥ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ብመቝሕን ብማእሰርትን ተሳቐዩ። 37 ብእምኒ ተቐጥቂጦም ተቐተሉ፤ ብመጋዝ ተመገዙ፤ ተሰይፎም ሞቱ፤ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፤ ሰኣኑ፤ ፀበቦም፤ መከራ ተቐበሉ። 38 ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቕዕ ስለ ዝኾነት፥ ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል በሉ። 39-40 እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዝሐሸ ስለ ዝወሰነ፥ ብዘይ ብኣና ናብ ፍፃሜ ምእንቲ ኸይበፅሑ፥ እዚኣቶም ኵላቶም፥ ብእምነት ዝተመስከረሎም እኳ እንተ ኾኑ፥ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።
11 ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።
ዕብራውያን 10 · ዕብራውያን 11 · ዕብራውያን 12:11 · ትመ15
ኣብ እብራውያን 10፡ ኣመንቲ ብእምነት ንኽጸንዑ እምበር፡ ብምኽንያት መከራኦም ከይተመልሱ ጸኒዕና ክንርኢ ጸኒሕና። ምዕራፍ 11 ኣምላኽ ብእምነት ንዝነብሩ ኩሎም ከም ዘበርትዖም የርኢ። ኣብዚ ምዕራፍ 12፡ ብዛዕባ መከራ ካልእ ምዕዶ ተዋሂቡ ኣሎ፡ ኣምላኽ ንተግሳጽናን ስልጠናናን ይጥቀመሉ። እቶም እብራውያን ኣንበብቲ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሔር ንኣኦም ፍቕሩ ከም ዝነበረ ረሲዖምዎ ነበሩ።
መከራ ንመንፈሳዊ ዕብየት ኩሉ ግዜ ዕድል ይህብ። ኣምላኽ ንዝኾነ ዓመጽ ኣይድግፍን እዩ፡ እዚ ድማ ንመከራና ዘስዕብ ይመስል። ይኹን እምበር፡ ንቃልስና ክድሕን ይኽእል እዩ፡ ብእኡ ድማ ንጥቕምና ይገስጸና። ኣብቲ ግዜ እቲ ምእራም ኣይፈቱን ንኸውን፡ እንተኾነ ግን፡ ብእኡ ክንስልጥን ፍቓደኛታት እንተኾይንና፡ “ፍረ ጽድቂ ሰላም” (12:11) የፍሪ።
እዚ ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣእዳውና ነበርትዕ! መገድታትና ነቕንዕ! ንሕና ወይ ኣሕዋትና ብቃልስና እንተተሰናኸልና እንታይ ጥቕሚ ኣሎ? ሓንካስ ኣእጋር እንተኸፍአ እንታይ በረኸት ኣሎ? ድኻም፡ መሪርነት ወይ ርኽሰት ዝመልኦ ሃዋህው፡ ናብ ደብረ ጽዮን፡ “ከተማ ህያው ኣምላኽ” (ቁ. 22) ንዝመጹ ሰባት ፈጺሙ ዘይበቅዕ እዩ።
እቲ ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ዘሎ መጠንቀቕታት፡ ንሓሶት ኩሉ ንምግላጽን ንሓቂ ኩሉ ንምጥንኻርን እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ እቲ ናይ ምዕራፍ 12 መወዳእታ ምዕዶ፡ “ንዝዛረብ ዘይምእባይኩም ተጠንቀቑ” (ቁ. 25) ይምዕድ። እቶም ሓሰውቲ ካብ ፍርዱ ኣይድሕኑን እዮም፤ ንሕና እቶም ሓቀኛታት ድማ ንድምጹ ክንሰምዕ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ዘይናወጽ መንግስቲ ንቕበል ኣሎና፡ ስለዚ ድማ ንኣምላኽ ብፍርሃትን ብቕድስናን ከነገልግል ከለና፡ ኣብ ሃዋህው ጸጋ ንነብር።