1 ኣብርሃም ድማ ዕድመ ዝፀገበ ኣረጋዊ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ስራሑ ባሪኽዎ ነበረ። 2 ኣብርሃም ከዓ ነቲ ዝሸምገለ ኣገልጋሊኡ፥ ኣዛዚ ኵሉ ገንዘቡ “በይዛኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር። 3 ካብ ኣጓላት እዞም ኣነ ኣብ ማእኸሎም ዝነብር ዘለኹ ከነዓናውያን፥ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኸይተምፅአሉ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን፥ ኣምላኽ ምድርን ኣምሕለካ ኣለኹ። 4 ናብ ሃገረይን ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሓቅ ሰበይቲ ኣምፅአሉ” በሎ።
5 እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ፥ “ምናልባሽ እታ ጓል ናብዛ ሃገር ክትመፅእ እንተ ዘይፈተወትከ፥ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝሓደግካያ ሃገርዶ ኽወስዶ?” በሎ።
6 ኣብርሃም ድማ “ንወደይ ናብኣ ኸይትወስዶ ተጠንቀቕ። 7 እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ ዝተወለድኩላ ምድርን ዘውፅአኒ ‘ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢሉ ዝተዛረበንን ዝመሓለለይን፥ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ንሱ መልኣኹ ቐቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ፤ ካብኡ ድማ ንወደይ ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ። 8 እታ ጓል ምሳኻ ኽትመፅእ እንተ ዘይፈተወት ግና፥ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትውሰዶ እምበር፥ ንስኻ ኻብዛ ዘምሕለካ ማሕላ እዚኣ ንፁህ ኢኻ” በሎ። 9 እቲ ኣገልጋሊ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፤ ከምቲ ዝበሎ ገይሩ ድማ መሓለሉ።
10 እቲ ኣገልጋሊ ኸዓ ኻብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ኣግማል ወሲዱ፥ ካብ ኵሉ ዘዝፀበቐ ውህብቶ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተልዓለ። ተልዒሉውን ናብ መስጴጦምያ ናብ ከተማ ናኮር ኸደ።
12 ቀፂሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፥ ሎሚ ኣስምረለይ እሞ ንጐይታይ ኣብርሃም ምሕረትካ ግበር።
ዘፍጥረት 24:1–9 · ዘፍጥረት 24:10 · ዘፍጥረት 24:12 · ትመ15
ባርያ ኣብርሃም ካብ ጐይታኡ ኣብ ፍቕዲ 1–9 ንጹር መምርሒታት ምስ ተቐበለ፡ ንተልእኾኡ ንምፍጻም ጉዕዞኡ ይቕጽል። ኣብ ፍቕዲ 10–12 ሰለስተ ነገራት ንርአ፡
ቀዳማይ፡ ብሃብታም ምድላዋት ጐይታኡ ንተልእኾኡ ይኸይድ። ኩሉ ሃብቲ ኣብርሃም ንጥቕሙ ይርከብ ነይሩ፡ ግመልን ኣገልገልትን ይኹን ወይ ድማ ኣእማንን ክቡር ነገራትን። ንዓወት ተልእኾኡ ዘድሊ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ኢዱ ነይሩ። ካብ ካልእ ምንጭታት ሓገዝ ኪደሊ ኣየድለዮን። እቲ ንዓና ዘሎ ትምህርቲ ንጹር እዩ። እቲ ዘይርከብ ሃብቲ ክርስቶስ ኩሉ ንዓናን ምሳናን እዩ። እቲ ባርያ ብምሉእ ምኽኣል ጐይታኡ ይፈልጥ ነይሩ። ጐይታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ለኣኾም፡ ክሳዕ መወዳእታ ምሳኦም ኪኸውን ተስፋ ሂብዎም (ማቴ. 28:19–20)። እዚ ኸኣ ናትና እምነት ኪኸውን ይግባእ።
ካልኣይ፡ ናብ መስጴጦምያ ምስ በጽሐ፡ ንኻልእ ሰብ ቅድሚ ምዝራቡ፡ ንጐይታ ተዛረበ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓገዝ ዝምልከት ተስፋ ኣብርሃም እናዘከረ።
ሳልሳይ፡ እቲ ንዓወት ተልእኾኡ ዝነበሮ ድሌት ብናይ ገዛእ ርእሱ ድሌት ዝተመራሓ ኣይነበረን። ኣብ ኣገልግሎት ጐይታ ንምዕዋት፡ ንምምስጋን ወይ ከም መንፈሳውያን ንምሕሳብ ዘሎ ድሌት ኩሉ ግዜ ዘሎ ፈተና እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ንሽልማትና ከይንስእን ክንጥንቀቕ የድሊ። ክርስቶስ ንናይ ሰብ ምስጋና ንምድላይ ዘሎ ድሌት ኣጠንቂቑና እዩ፡ ምኽንያቱ ንባህርይና ይፈልጦ ነይሩ። ጸሎት ባርያ ኣብርሃም ሓጺር ነይሩ፡ ግናኸ ካብ ልቡ ዝመጸ እዩ፡ ኣብቲ ልቢ ኸኣ እንታይ ከም ዝነበረ የርኢ፡ “በጃኻ ሎሚ ዓወት ሃበኒ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ሕያውነት ኣርእዮ።”