እቲ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ንመዓልቲ ብጸሎት ንምጅማር ንግሆ ንግሆ ምትንሳእ ልማዱ ነይሩ። ኣብ መዝሙር 88:13 ብትንቢት ከምዚ ይብል፡ “ኣብ ንግሆ ጸሎተይ ናባኻ ትመጽእ”። ንነፍሲ ወከፍ ንግሆ፣ ንሱ ኣብ ህድኣት ንግሆ እዝኑ እናተባርዐን እናተኸፍተን ከም ደቀ መዝሙር – ተማሃራይ – ንምምሃር ብኣምላኽ ምምርኳሱ ይነብር ነይሩ።
እቲ ዓብዪን ዘለኣለማዊን “ኣነ እየ”፣ ጐይታ (ያህዌ) ናይ ብሉይ ኪዳን፣ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን፣ ናብዛ ዓለም እዚኣ ብኣገልጋሊ መልክዕ መጸ፣ ብጸሎት ከኣ ኣምላኽ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ከርእዮ ፈቐደ! ቅድሚ ምብራቕ ጸሓይ፣ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣተወ፣ ኣብኡ ድማ ንኣገልግሎት እታ መዓልቲ ተዳልወ። ኣብኡ ኣብ ህድኣት፣ ንዝደኸሙን ተስፋ ንዝቖረጹን ነፍሳት ንምሕያሽ ቃላት ተቐበለ።
እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንመምህሮም ኣብ ንግሆ ሰዓታት ኣበይ ከም ዝረኽብዎ ይፈልጡ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ምስ በጽሕዎ፣ “ኩሉ ሰብ ይደልየካ ኣሎ” (ማር. 1:37) ብዝብል ቃላት ገጠምዎ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዜና፣ ሓደ ሰብ ንድሌታት እቶም ዝሓትዎም ብኡብኡ ምላሽ ይህብ። “ኣይፋል” ምባልን ብእኡ ንኻልኦት ምፍሻልን ብዙሕ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ግናኸ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብዚ ኩነታት እዚ እንታይ መለሰሎም? ንሱ ብግዜ ህድኣቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዳልዩ ነይሩ፣ ስለዚ ድማ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ፡ “ናብ ካልኦት ከተማታት ንኺድ፣ ኣብኡ’ውን ክሰብኽ” (1:38)። እዚ ንእኡ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ነይሩ – እዚ ፍቓድ እዚ ድማ ንዕለታዊ ንጥፈታቱ ወሰነ።
ዳዊት ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ጐይታ ክዛረቦ ይምነ ነይሩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ “ኣብ ንግሆ ምሕረትካ ኣስምዓኒ፣ ንኣኻ እምበር ኣይውከልን እየ፤ ክኸደሉ ዘሎኒ መገዲ ኣፍልጠኒ፣ ንነፍሰይ ናባኻ ኣልዕላ እየ” (መዝ. 143:8)። እዚ ንሎሚ ጸሎትና ይኹን!




