እያሱ ኣብ ምሉእ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ እሙን ኣገልጋሊ ሙሴ ነበረ። ሕጂ ሙሴ ሞይቱ። እያሱ ንህዝቡ ናብ ምድሪ ተስፋ ዜምጽእ ሓድሽ መራሒ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ንመገዲ ምትብባዕን መምርሕን ይህቦ።
እስራኤል ነታ ኣምላኽ ዝሃቦም ምድሪ ቕድሚ ምጥዓሞም ብዙሕ ውግእ ኪገጥሞም እዩ። ንሕና እመንቲ ሎሚ እውን ምስ ጸላእቲ ሰይጣን፡ ማለት ምስ መራሕቲ፡ ስልጣናት፡ ከምኡ ድማ መንፈሳውያን ሓይልታት እከይ ኣብ ሰማያት ቀጻሊ ግጥም ይገጥመና። ግናኸ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ንዚህበና ኣምላኽ ምስጋና ይኹን!
እያሱ ሓያልን ትብዓተኛን ኪኸውን ነበሮ። ንህዝቢ ነታ ኣምላኽ ንኣቦታቶም ኪህቦም ዝመሓለላ ምድሪ ኺወርስዋ ኺገብር እዩ። እዚ ንምግባር ድማ፡ እታ ምድሪ ቕድሚ ኩሉ ኺትምርኮስ ኣለዋ።
ኣምላኽ ንእያሱ ዓወት ኪህቦ ተስፋ ሃበ፡ ግናኸ ቐሊልን ዘይጻዕረን ዓወት ኣይኮነን፡ ንምድሪ ኸኣ ስጕምቲ ብስጕምቲ፡ እግሪ ብእግሪ ኺምርኮሳ ኣለዎ።
ግናኸ ካብዚ ንላዕሊ ዝኸበደ ነገር ነበረ፡ ንሱ ድማ ኣምላኽ ብሙሴ ዝሃቦ ኩሉ ሕጊ ኺሕሉ ነበሮ። ቃል ኣምላኽ ከምቲ ዝኣዘዘ ብልክዕ ኺሕሎ ኣለዎ። እያሱ ካብኡ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም ኪምለስ ኣይነበሮን። የማንን ጸጋምን ሎሚ ሓደ ትርጉም ኣለዎም። ናብ የማን ምምላስ ማለት ኣብ ቃል ኣምላኽ ምውሳኽ ማለት እዩ። ፈሪሳውያን ልማዳቶም ኣብ ትእዛዛት ኣምላኽ ወሰኹ። ናብ ጸጋም ምምላስ ማለት ካብ ቃል ኣምላኽ ምውሳድ ማለት እዩ። ሰዱቃውያን እዚ ገበሩ፡ ብትንሳኤ፡ ብመላእኽቲ፡ ወይ ብመንፈሳት ኣይኣመኑን። ክንዕወት እንተኾይንና፡ ክልቲኡ ንኣምላኽ ቅቡል ኣይኮነን። ንቃል ኣምላኽ ንምእዛዝ ንጥንቀቕ!




