16 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 17 ለካቲት: ንኢየሱስ ድማ ሒዞም ወሰድዎ (ዮሃንስ 19:16)
ዕለታዊ ብርሃን
እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ወፃኢ ናብታ ሓሙዅሽቲ ዝፈሰላ ናብ ንፁህ ቦታ ይውሰዶ። ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ገይሩ ብሓዊ የቃፅሎ።
ዘሌዋውያን 4:12
ንኢየሱስ ድማ ሒዞም ወሰድዎ። መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ “ሓምሓም ርእሲ” ብዕብራይስጢ ድማ፥ “ጎልጎታ” ናብ ዝበሃል ስፍራ ወፀ።
ዮሃንስ 19:16–17
እቲ ሊቀ ካህናት፥ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝውፈ ናይ እንስሳታት ደም ሒዙ፥ ናብ ቕድስተ ቅዱሳን ይኣቱ። እቲ ስጋ ግና ኻብ ሰፈር ወፃኢ ይቃፀል ነበረ። ኢየሱስውን ንህዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኽቕድስ፥ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ መከራ ተቐበለ። እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ።
ዕብራውያን 13:11–13
ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ።
ፊልጵስዩስ 3:10
ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 4:13
እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:17
እግዚኣብሄር ድማ ብመልክዑ ንሰብ ፈጠረ።
ዘፍጥረት 1:27
“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።
ግብሪ ሃዋርያት 17:29
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ... ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ኤፌሶን 2:4–5, 10
ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም።
ሮሜ 8:29
ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 3:2
ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
ዳዊት 17:15
እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ክኾነኒ እዩ።
ራእይ 21:7
እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ።
ሮሜ 8:17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ15 ለካ 2026
ምሳሌ 20:9 · ዳዊት 14:2–3
14 ለካ 2026
ማቴዎስ 3:15 · ዳዊት 40:8
13 ለካ 2026
ሕዝቅኤል 1:26 · 1ይ ጢሞቴዎስ 2:5
12 ለካ 2026
ሚልክያስ 3:17 · ዮሃንስ 17:6
11 ለካ 2026
ሚልክያስ 3:16 · ሉቃስ 24:15
10 ለካ 2026
ሉቃስ 11:34 · 1ይ ቆሮንቶስ 2:14






