እቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:31 ዚርከብ ቃል “ምጽባይ” ብቐሊሉን ብሓደ ጥራይ ናብኡ ምጥማት ሓሳብ ኣለዎ። ንእኡ ምጽባይን ካብኡ ምድላይን እውን የጠቓልል። እዚ ቃል እዚ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ድማ ብብዙሕ መገዲ ንኽትርጎም ምኽንያት ይኸውን። ሓደ ናይ እንግሊዝኛ ቃል ምሉእ ትርጉሙ ኣይህብን። ስለዚ ንኣምላኽ ጥራይ ኢና ኽንጽበ ዘሎና። ናብኡ ኽንጥምት፤ ንእኡ ኽንጽበ፤ ከምኡ’ውን ካብኡ ጥራይ ክንጽበ ኣሎና። ኣብዚ ተግባር እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ኣእምሮ ኣምላኽ ዘሎ ፍልጠት ንዓሚቝ፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዝነበረን ከም ፍቓዱ ዘይነበረን ነገራት የርሕቖ።
መንከ እዩ መኻሪኡ ነይሩ? መንከ እዩ መገዲ ምስትውዓል ዘርኣዮ? ንሱ ምኽሩ የፍልጠና፡ ንኣእምሮና ድማ ኣብ መገዲ ምስትውዓል ይመሓድረና፡ ንእኡ ኽንጽበ ከለና። ሓሳባቱ፡ እቶም ካብ ኣእምሮና ዘይመጹ፡ ኪነብሩ ኣለዎም! ሓይሉ፡ ዘይኮነስ ናትና፡ ኪሰፍን እዩ! እዚ ድማ ንሱ ኽንውንኖ ዚደልየና እዩ። ንሱ፡ “ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ እዩ፡ ኵሉ ስጋ ድማ ብሓደ ኺርእዮ እዩ፡ ከመይሲ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ” ይብል፤ ከምኡ’ውን፡ “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ” (40:5, 31)።
ቃል ኣምላኽና ንዘለኣለም ኪነብር እዩ (ቍ. 8)። ኣዒንቲ ናብ ሰማያት ይጥምታ—ንሳቶምን ንዅሎም ከዋኽብቶምን ንሱ ፈጢርዎም። ናብታ ኣብ ታሕቲ ዘላ ምድሪ ይጥምታ—ኣኽራናት መዚንዎም፤ ሓመድ ምድሪ ለኪዕዎ፤ ማያት ባሕሪ ድማ ኣብ ኢዱ ለኪዕዎም! ኵሎም ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮታዊ ባህርዩን የርእዩ። እቶም ሕጂ ብግጭታቶምን ብብልሓቶም ኣብ ምጥፋእ ዚፍለጡ ህዝብታት እውን፡ ንእኡ ኸም ንእሽቶ ሓመድ ሚዛን እዮም። “ኵሎም ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘይነገርን ከንቱን እዮም!” “ንሱ ኸም ዘይነገርን ዋጋ ዘይብሎምን ገይሩ ይቘጽሮም” (ቍ. 17)! ንእኡ ጽበዩ!




