መጽሓፍና ስም እታ ጀግንነት ዝገበረት ኤስተር እንተ ዘይሩ፡ ጀግናኣ ግና እቲ እሙን ወዲ ሓዋ ማርዶካይ እዩ። ንሱ ንጐይታና የሱስ፡ ንሱ ብምሉኡ እሙን ዝኾነ፡ የዘኻኽረና። እምነት ማርዶካይ ኣብ ብዙሕ መዳያት ህይወት ይርአ። ንሱ ሓደ ብንያማዊ ከም ዝነበረን፡ ንሃዳሳ፡ ኤስተር፡ ጓል ሓው ኣቦኡ፡ ወለዲኣ ምስ ሞቱ ከም ጓሉ ገይሩ ከም ዘዕበያ ተነጊሩና። ንኤስተር ዝነበሮ ፍቕራዊ ክንክን ካብኡ ምስ ተወስደት’ውን ቀጸለ። ንሳ ብኸመይ ከም ዘላን እንታይ ከም ዝኸውን ዘሎን ንምፍላጥ፡ ኣብ ዝቐረበቶ ቦታ ኩሉ መዓልቲ ይመጽእ ነበረ። ንሳ ድማ ከምቲ ንሱ ዘዕበያ እዋን ዝገበረቶ፡ ንትእዛዛቱ ተኣዘዘት።
ማርዶካይ ክልተ ሓናጹ፡ ሓለውቲ ማዕጾ፡ ንንጉስ ንምቕታል ክመክርዎ ምስ ሰምዐ፡ ንኤስተር ነገራ፡ ንሳ ድማ ንንጉስ ኣመሓለፈቶ። በዚ ኸምዚ ንስልጣናት ኣምላኽ ንጥቕምናን ንምጥፋእ ክፉእን ዝሰርዖም እሙን ነበረ። ኣምላኽ ንስልጣናት ከነኽብርን ክንጽልየሎምን፡ ከምኡ’ውን ዝሓትዎ ክንከፍልን ይነግረና።
ቅዱስ ጽሑፍ ንስልጣናት ክንፈርዶም ፈጺሙ ኣይነግረናን፡ ከምኡ’ውን ፈጺሙ ከይንእዘዞም ኣይነግረናን። ግናኸ፡ “ንሰብ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ምእዛዝ ይግባእ” (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ብግልጺ ተነጊሩና ኣሎ። ምኽንያቱ ኣምላኽ እቲ ዝለዓለ ስልጣንን ምንጪ ኩሉ ስልጣንን እዩ። ኣምላኽ ንኣማሌቅ ዝነበሮ ጽልኢ ኣብ ቃሉ ደጋጊሙ ገሊጽዎ ነበረ፡ ስለዚ ማርዶካይ ንኣምላኽ ብምእማን ንሃማን፡ ንሱ ከም ኣጋጋዊ ካብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣማሌቅ ዝመጸ፡ ክሰግድን ክብሪ ክህብን ኣበየ። ሎሚ’ውን፡ ንኣምላኽ እሙን ንምዃን ብዙሕ ግዜ ዋጋ ክኽፈል ይግባእ!




