እቲ ጓሉ ምሟታ ዝገልጽ ዜና ካብ ቤቱ ምስ መጸ፡ ልቢ ያኢሮስ እንታይ ሓሳባት ከም ዝመልኦ ንሓስብ ንኸውን። ንጓሉ ኪፍውሳ ኸም ዝኽእል ፈሊጡ ናብ ጐይታ የሱስ ከይዱ ነበረ። ጐይታ ናብ ቤቱ ንምኻድ ተበጊሱ ነበረ። ግናኸ ምድንጓይ ነበረ። ካልእ ኣድላይነት ተራእዩ ነበረ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብጽምዋ ሓገዝ ትደሊ ነበረት። ንዓሰርተ ኽልተ ዓመት ካብ ሓካይም ሓገዝ ደልያ ነበረት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኪሕግዛ ኣይከኣለን። ጐይታ ምስ ሓለፈ፡ ኣብ መወዳእታ ኽትሓዊ ዕድል ረኸበት። ንጫፍ ክዳኑ ብምትንካያ ጥራይ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓወየት። ኣብ ወዲ ኣምላኽ ክንደይ ዝኣክል ሓይሊ ኣሎ! ጐይታ ኻብቲ ህዝቢ ጸዊዕዋ፡ እምነታ ከም ዘድሓና ነገራ። ሓይሉ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ጸጋ ምምጽኡ ክንደይ ዘደንቕ እዩ!
ያኢሮስ ነቲ ምድንጓይ ተቖጢዑዶ ወይስ ትዕግስቲ ስኢኑ? ኣይንፈልጥን ኢና፡ ግናኸ ነፍሲ ወከፍና ልብና ንምድንጓያት ከመይ ከም ዝምልስ ንፈልጥ ኢና። ግናኸ ካብቲ ጐይታ ዝበሎ ቓላት፡ ዜና ሞት ጓሉ ምስ መጸ፡ ተስፋኡ ከም ዝጠፍአ ይርአ። ጐይታ የሱስ ኪፍውስ ከም ዝኽእል ኣሚኑ ነበረ፡ ነታ ንጫፍ ክዳኑ ዝተንከየት ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብቐጥታ ርእይዋ ነበረ። ግናኸ ንሓይሊ ሞት መን ኪዳሉ ይኽእል?
“ኣይትፍራህ፡ እመን ጥራይ” ዝብል ቓላት ጐይታ ነበሮ። እንታይ? ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ገና ተስፋ ነይሩዶ? እወ፡ እቲ ንያኢሮስ ኪሕግዞ ዝመጸ ብሩኽ፡ ፈዋሲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ትንሳኤን ህይወትን ዝኾነ ወዲ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ (ዮሃንስ 11:25) ፡ ንኤርምያስ ድማ፡ “እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር እየ… ንኣይ ዝኸብደኒ ነገር ኣሎዶ?” (ኤርምያስ 32:27) ኪብል ዝኸኣለ እዩ። ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ዝመስል ኩነታት ዲኻ ዘለኻ? ብምድንጓያት ተስፋ ቖሪጽካ ዲኻ? እቲ ንጓል ያኢሮስ ዘተንስአ ሎሚ እውን ከምኡ ምዃኑ ኣይትረስዕ (እብራውያን 13:8) !




