እግዚኣብሔር ነዛ ፍሉይት ዑፍ እዚኣ ንጸጋኡ መግለጺ ገይሩ ይጥቀመላ! እስራኤል ናብ ዶብ ከነኣን ምስ በጽሑ፡ ሙሴ ኣብ ኣእዛን ህዝቢ ደጋጊሙ ነገሮም፡ “ኣብ ምድረ በዳ ረኸቦ … ከበቦ፡ መሃሮ፡ ከም ፍረ ዓይኑ ሓለዎ። ከምቲ ንስርኡ ዘንቀሳቕስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቁ ዚንሳፈፍ፡ ኣኽናፉ ዚዝርግሕ፡ ዚወስዶም፡ ብኣኽናፉ ዚጸውሮም ንስሪ፡ ከምኡ እግዚኣብሔር በይኑ መርሖ” (ዘዳ. 32:10–12)።
ንስሪ ንስርኡ የንቀሳቕሶ፡ ምኽንያቱ እቲ ንእሽቶ ንስሪ ክነፍር ክምሃር ኣለዎ። ኣብ ልዕሊኡ ምንሳፍ ማለት ምሕላው ወይ ምጥንቃቕ ማለት እዩ። ከም ንስሪ ንደቁ ዚከናኸን ካልእ ዑፍ የለን። እቲ ንእሽቶ ካብ ስርኡ ይድፋእ፡ ክወድቕ ምስ ጀመረ ድማ እቲ ንስሪ ኣብ ትሕቲኡ ወሪዱ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ኣኻውሕ ከይወድቕ ብሓያላት ኣኽናፉ ይሕዞ። እግዚኣብሔር ኣብ ምድረ በዳ ንእስራኤል ክንደይ ግዜ እዚ ከም ዘይገበረሎም? ንኣናኸ? እዚ እቲ ንእሽቶ ንስሪ ክሳዕ ክነፍር ዚምሃር ይደጋገም። እንታይ ዝበለ ስእሊ ትዕግስቲ ጸጋ ኣምላኽና! ንእስራኤል ካብ ትሕቲ ጨካን ኢድ ፈርኦን ኣናጊፉ፡ ብሓያላት ኣኽናፍ ጸጋኡ ናብኡ ጸዊርዎም።
ንስሪ ብጽፍሕ ራእዩ እውን ይፍለጥ። ንሓርጭ ካብ ክልተ ማይል ርሕቀት ክርእዮ ይኽእል። ንኣዒንቲ እግዚኣብሔርና ሕሰብ! “ካብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጥረት የልቦን፡ ኵሉ ግና ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቲ ንሕና ጸብጻብ እንህበሉ ጥራዩን ግሉጽን እዩ” (እብ. 4:13)። ካብ ቅድሚ ዓይኑ ከም ዘይንጠፍእ ምፍላጥስ መጸናንዒ ኣይኮነንዶ? ንሙሴ ድማ፡ “ጭቆና ህዝበይ ኣብ ግብጺ ርእየዮ እየ … ስለዚ ንምድሓኖም ወሪደ እየ” (ዘጸ. 3:7–8) በሎ። ንስሪ ፍርሂ የብሉን። ንኣውሎ ንፋስ ብምጥቃም ናብ ዝለዓለ ከፍታ ከም ዚስቀል ይገብሮ፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ንኣውሎ ንፋስ ንመንፈሳዊ ረብሓና ዚጥቀመሉ።




